Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ መንበሪ ገዛ ውልቀሰብ ዝተፈላለዩ ዘይሕጋዊ መሳርሒታት ኲናትን ሰነዳትን ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ኣዲስ ኣብ መንበሪ ገዛ ሓደ ውልቀሰብ ብዝተገበረ ፍተሸ ዝተፈላለዩ ዘይሕጋዊ መሳርሒታት ኲናትን ሰነዳትን ከምዝተትሓዙ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ገሊፁ።

24 መስከረም 2014 ዓ.ም ኣብቲ ክፍለ ከተማ ወረዳ 7 ቀበሌ 32 ካብ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ መፈተሸ ብምውፃእ ብዝተገበረ ፍተሻ ኢዮም እቶም መሳርሒታት ኲናትን ሰነዳትን ተረኺቦም፡፡

ብዝተገበረ ፍተሸ ድማ 85 ክላሽን-ኮቭን ጠያይቲ ሽጉጥን፣ 3 ሽጉጣት፣ 2 ሳንጃታትን 1 ናይ ኢድ ቡምባን ከምዝተትሓዙ ካብ ኮሚሽን ፖሊስ ኣስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ካብዚ ብተወሰኺ 10 ሺሕ ብርን ብዙሓት ፓስፖርትን ሓዊሱ መረዳእታታት ትምህርቲ ኣብቲ መንበሪ ገዛ ከምዝተረኸቡ ምክትል ዳይሬክተር መምርሒ ገበንን ክትትል ምርመራ ትራፊክ ፖሊስ ክፍለ ከተማ ኣዲስ ገሊፁ።

ፖሊስ ከምዝሓበሮ ኣብታ ከተማ ዝንቀሳቐሱ ልኡኻት ግብረ ራዕዳውያን ህወሓትን ሸኔን ከምቲ ልሙድ ከቃልዕ ከምዝግባእ ፀዊዑ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.