Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ምቁርራፅ ሓይሊ ኣብ ምፍራይን ዝርገሐን ማይ ፀገም ከምዘፈጠረሉ በዓል መዚ ማይን ፈሳሲን ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል መዚ ማይን ፈሳሲን ኣዲስ ኣበባ ኣብታ ከተማ ዘሎ ምቁርራፅ ኣገልግሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዓማዊል ዝግበኦም ኣገልግሎት ብግቡእ ከይህብ ከመዝገበሮ ገሊፁ።

ካብ 1 መጋቢት 2015ዓ.ም ጀሚሩ ንተኸታታሊ ሸሞንተ መዓልቲታት ኣብ ጎዳጉዲ ማይን ጣቢያታት ድፍኢት እቲ በዓል መዚ ተደጋጋሚ ምቁርራፅ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከመዘጋጠሞ ዳይሬክተር ኮሙኒኬሽን እቲ በዓል መዚ ሰርካለም ጌታቸው ተዛሪበን፡፡

እዚ ድማ ነቲ በዓል መዚ ኣብ ምፍራይን ዝርገሐን ማይ ልዑል ፅዕንቶ ከምዝፈጠረሉ እነት ዳይሬክተር ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ገሊፀን፡፡

“ብምኽንያት ምቁርራፅ ሓይሊ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ኣዲስ ወረዳ 1፣ 2፣3፣ 5፣ 12፣ 13 ን 14፤ ክፍለ ከተማ ጉለሌ ወረዳ 1፣2፣3፣4፣5፣6 ን 10 ከምኡ እውን ኣብ ክፍለ ከተማ ለሚኩራ ወረዳ 2፣3፣4፣5፣6፣9፣10፣11፣12፣13 ን 14 ሕፅረት ቀረብ ማይ ተቛሪፁ” ኢለን፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ክፍለ ከተማ የካ ወረዳ 1፣9 ን 10፤ ኣብ ክፍለ ከተማ ኣቃቂ ቃሊቲ ካብ ወረዳ 1 ክሳብ 13፤ ክፍለ ከተማ ቂርቆስ ካብ ወረዳ 1 ክሳብ 6 ን ካብ ወረዳ 9 ክሳብ 11 ቀረብ ማይ ከምዝተቛረፀ ገሊፀን።

ኣብ ክፍለ ከተማ ንፋስ ስልክ ላፍቶ ካብ ወረዳ 1 ክሳብ 15፤ ክፍለ ከተማ ቦሌ ወረዳ 1፣ 2፣ 11 ን 12፤ ክፍለ ከተማ ልደታ ወረዳ 3 ን 5 ብኽፋልን ወረዳ 9 ሙሉእ ብሙሉእ ከምኡ እውን ኣብ ክፍለ ከተማ ኣራዳ ወረዳ 4 ን 5 ብምኽንያት ምቁርራፅ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣገልግሎት ማይ ከምዝተቛረፀ እቲ በዓል መዚ ኣፍሊጡ፡፡

ብዮሃንስ ደርበው

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.