Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ፀገም ደው መበሊ መኪና ንምፍታሕ ይስራሕ ከምዘሎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ፀገም ደው መበሊ መኪና ንምፍታሕ ይስራሕ ከምዘሎ በዓል መዚ ማኔጅመንት ትራፊክ ምምሕዳር እታ ከተማ ገሊፁ።

ነባር ደው መበሊ መካይን ብምምሕያሽ ናብ ኣገልግሎት ናይ ምእታው ስራሕ ይስራሕ ከምዘሎን ሰብ ዋና ህንፃታት ንመኪና ደው መበሊ ብዝብል ዘዳለውዎ ቦታ ኣብ መዓልኡ ንክውዕል ዘገድድ ሕጊ ኣብ ቀረባ እዋን ክወፅእ ኢዩ ተባሂሉ።

ዳይሬክተር መፅናዕቲን ምምሕዳርን ፓርኪንግ ቢኒያም ጌታቸው፥ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ቁፅሪ መካይን እናወሰኸ ብምምፅኡ ቀረብ ደው መበሊ መካይን ተመጣጣኒ ከምዘይኮነ ተዛሪቦም።

ስለዝኾነ እቲ ምምሕዳር ከተማ ነቲ ፀገም ንምፍታሕ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ሓደሽቲ ቦታታት ደው መበሊ መካይን የዳሊ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ብሲሳይ ጌትነት

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.