Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ድንጋገ ህፁፅ ኣዋጅ ጥሒሶም ዝተብሃሉ ልዕሊ 8 ሺሕን 880 ውልቀ ሰባት ኣብ ቁፅፅር ሕጊ ዉዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዓሰርትኤን ክፍለ ከተማታት ብዝገበሮ ሃንደበታዊ ቁፅፅር ድንጋገ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ጥሒሶም ኢዮም ኣብ ልዐሊ ዝበሎም 1 ሸሕን 887 ውልቀ ሰባት ምርመራ ምጅማሩ ኣፍሊጡ።

እቲ ኮሚሽን ብብርኪ ሃገር ዝተኣወጀ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ዝጠሓሱ 641 ሰባት ብገንዘብን እስራትን ከምዝተቐፅዑ እውን ሓቢሩ።

ዛጊድ 1 ሽሕን 523 ውልቀ ሰባት ምርመራ ምፅራይ ከምዝገበረ ዝገለፀ እንትኸዉን፥ እቶም ምርመራ ዝግበረሎም ዘሎ ሰባት ኣርባዕተን ካብ ኣርባዕተ ንላዕልን ብምዃን አብ ዝተፈላለዩ ቦታታት መስተ ክሰትዩ፣ ጠላዕ ክጣልዑ፣ ቡን ክሰትዩ ከምኡዉን ኣብ ተመሳሳሊ ቦታ ተኣኪቦም ጫት ክቕሕሙን ሺሻ ከትክኹን ዝረኸቦም ሰባት ኢዮም ኢሉ።

ካብዚኣቶም ዉሽጢ እቶም 641 ሰባት ኣብ ቤት ፍርዲ ክሲ ከምዝተመስረተሎም ብምግላፅ፥ እቶም 74 ካብ 15 መዓልቲ ክሳብ ሰለስተ ኣዋርሕ ከምኡዉን እቶም 556 ድማ ክሳብ 20 ሽሕ ብር ዝበፅሕ ቅፅዓት ገንዘብ ከምዝተቐፅዑ እቲ ኮሚሽን አፍሊጡ።

ኣብ ገናሕቲ መካይን ብዝገበሮ ቁፅፅር ድማ ናይ ምፅዓን ዓቕመን ብፍርቂ ንክቕንሳ ኣድሂቡ ዝወፅአ መምርሒ ጥሒሶም ኣብ ዝተረከቡ፣ ካብ ታሪፍ ንላዕሊ ክፍሊት ክፍፅሙ ዝተረኽቡ፣ ኮድ 2 ኮይኖም ካብ ዝተፈቐደሎም መዓልቲ ወፃእ ክንቀሳቐሱን ኣብ በዓል 2 እግሪ ሞትር ብስክሌት ሰብ ፅዒኖም ዝተረኸቡን 5 ሽሕን 360 ኣሽከርከርቲ ብገንዘብ ክቕፅዑ ምግባሩ እቲ ኮሚሽን ወሲኹ ሓቢሩ።

ህዝቢ ብበዝሒ ኣብ ዝርከበሎም ቦታታት ንግዲ፣ ኣደባባያትን ኣገልግሎት ትራንስፖርት ህዝቢ ኣብ ዝወሃበሎም ቦታታትን ርሕቐቶም ኣብ ዘይሓለው ብፍላይ ድማ ናይ ኣፍን ኣፍንጫን መሸፈኒ ምጥቃም እናተገቦኦም ኣብ ዘይጥቐሙ ውልቀሰባት ብሓፈሻ ህፁፅ ግዘ ኣዋጅ ኣብ ዝጥሕሱ ውልቀ ሰባትን ትካላት ንግዲን እቲ ቁፅፅር ከምዝሕይል ካብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የማላኽት።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.