Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ፅባሕ ብምኽኒያት ምረቓ ፕሮጀክቲታት ንተሽከርከርቲ ዕፁው ዝኾኑ መገዲታት ዕላዊ ተገይሮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ፅባሕ ብምኽኒያት ካብ መስቀል ኣደባባይ ክሳብ ማዛጋጃ ቤት ዝምረቑ ፕሮጀክቲታት ንተሽከርከርቲ ዕፁው ዝኾኑ መገዲታት ዕላዊ ተገይሮም።

ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ከምዝበሎ፥ እቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ብሰላም ንክዛዘም ምስ ኣካላት ፀፅታን ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላትን ብምውዳድ ይስራሕ ኣሎ።

እቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ብሰላም ንክዛዘም ሕብረተሰብ ከምልሙድ ትሕብብር ንክገበር ፃውዒት ኣቕሪቡ።

እቲ ምርቓት ክሳብ ዝዛዘም ንተሽከርከርቲ ዕፁው ዝኾኑ መገዲታት፥ ካብ ጊዮርጊስ ቤተ ክርስቲያን ላዕለዋይ ኣደባባይ -ፒያሳ ጣሊያን ሰፈር መእተዊ- ሶማሌ ተራ ከባቢ ዝርከብ ኣደባባይ- ኣቡነ ጴጥሮስ ኣደባባይ -ጎላ ሚካኤል- ጥቁር ኣንበሳ ሼል – ሚቲዮሮሎጅ- ጎማ ቁጠባ -ሜክሲኮ ሰንጋ ተራ – ለገሃር ጉምሩክ መብራት – ቡናና ሻይ – ገነት መብራት – ጥላሁን ኣደባባይ- ቂርቆስ መታጠፊያ -ኣጎና ሲኒማ፤ ኦሎምፒያ – ኡራኤል ኣደባባይ – ባምቢስ መዕፀፊ- ካዛንቺስ ሼል -ፍልውሃ ሸራተን ከባቢ መስጊድ – ኦርማ ጋራዥ – ንግድ ማተሚ ቤት – ራስ መኮንን ድልድይ – ኣፍንጮ በር ካብ 8 ሰዓት ድሕሪ ቀትሪ ጀሚሩ ስለዝዕፆ ኣሽከርከርቲ ካልኦት ኣማራፅታት መገዲ ንክጥቀሙ መልእኽቲ ተመሓላሊፉ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.