Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ 12 ክፍሊ ፈተና ልዑል ውፅኢት ንዘመዝገቡ ተምሃሮ ኣፍልጦ ሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘበነ ትምህርቲ 2015 ሃገር ለኸ ፈተና 12 ክፍሊ ልዑል ውፅኢት ንዘመዝገቡ ተምሃሮ መርሃ ግብሪ ምሃብ ኣፍልጦ ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ልዑል ውፅኢት ካብ ሞንጎ ዘመዝገቡ ተምሃሮ ብተወሳኺ ልዑል ውፅኢት ንዘመዝገባ ኣቢያተ ትምህርን ኣቢያተ ፅሕፈት ትምህርቲ ክፍለ ከተማን እውን ኣፍልጦ ተዋሂቡ።

ኣብቲ ምምሕዳር ከተማ 600ን ልዕሊኡን ንዘመዝገቡ 97 ተምሃሮ ተፈጥሮ ሳይንስ፣ 450ን ልዕሊኡን ንዘመዝገቡ 66 ተምሃሮ ከምኡ እውን 6 ጉዱኣት ኣካል ተምሃሮ ኣፍልጦን ሽልማት ተበርኪቱ፡፡

ኣብቲ ምምሕዳር ከተማ ሃናን ናጂ ብተፈጥሮ ሳይንስ 649 ውጤት ብምምዝጋብ ኣብ ዘበነ ትምህርቲ 2015 ዓ.ም ብብርኪ ሃገር ልዑል ውፅኢት ከምዘመዝገበት ይዝከር፡፡

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ አዳነች ኣቤቤ ሓዊሱ ኣመራርሓ ኣካላት ዓውዲ ትምህርቲ እቲ ምምሕዳር ከተማ ከምኡ እውን ተምሃሮን ወለዲን ተሸለምቲ ተምሃሮ ተረኺቦም።

ብሳሙኤል ወርቃየሁ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.