Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ 2 ነጥቢ 3 ሚሊየን ነበርቲ ተረባሕቲ መድሕን ጥዕና ኮይኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ 2  ነጥቢ 3 ሚሊየን ነበርቲ ተረባሕቲ ኣገልግሎት መድሕን ጥዕና ከምዝኾኑ ቢሮ ጥዕና እታ ከተማ ኣፍሊጡ።

ዳይሬከተር ማሕበረሰባዊ መድሕን ጥዕና እቲ ቢሮ ኢብራሂም ተካ ንፋና ብሮድካስቲን ኮርፖሬት ከምዝበልዎ፥ ማሕበረሰብ ብዛዕባ መድሕን ጥዕና ዘለዎ ግንዛበ ካብ እዋን ናብ እዋን ክብ ብምባሉ ቁፅሪ ተረባሕቲ ክውስኽ ኣኽኢሉ ኢዩ።

ብመሰረት እዚ ኣብ 2015 ዓ.ም 2 ነጥቢ 1 ሚሊየን ዝነበረ ቁፅሪ ተረባሕቲ ኣብዚ ሐዚ እዋን 2 ነጥቢ 3 ሚሊየን ንክኸውን ኣኽኢሉ ኢዩ ኢሎም።

ምምሕዳር እታ ከተማ ከፊሎም ምሕካም ንዘይኽእሉ 480 ሺሕ ዜጋታት ክፍሊትን ብብርኪ ፌዴራል ኣገለግሎት ጥዕና ንክረኽቡን ድጎማ ሓዊሱ ብሓፈሻ 600 ሚሊየን ብር ድጎማ ከምዝገበረ ገሊፆም።

ብመሳፍንት እያዩ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.