Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ 23 ጥሪ 2013 ዓ.ም ሰላማዊ ሰልፊ ንኸካይድ ኣፍልጦ ዝተውሃቦ ኣካል የለን – ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 21 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ 23 ጥሪ 2013 ዓ.ም ሰላማዊ ሰልፊ ንኸካይድ ኣፍልጦ ዝተውሃቦ ኣካል ከምየለ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ገሊፁ።

ኣብቲ ዕለት ኣፍልጦ ዝተውሃቦ ሰልፊ ከምዘሎ ምምሳል ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝጋዋሕ ሓበሬታ ሓሶት ከምዝኾነ እውን እቲ ኮሚሽን ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ኣፍሊጡ፡፡

ቤት ፅሕፈት ዘፈር ጉዳያት ምምሕዳር ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ፥ 18 ጥሪ 2013 ዓ.ም ኣብ ቁፅሪ ኣ/ኣከፀ 18/03/128 ንባልደራስ ንሓቀኛ ዴሞክራሲ ኣብ ዝፀሓፎ ደብዳበ እቲ ሰልፊ ብዝተፈላለዩ ምኅንያታት ተቐባልነት ከምዘይረኸበ መልሲ ዝሃበ እንትኸውን፥ ንኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ እውን ብግልባጥ ከምዘፍለጠ ገሊፁ፡፡

ስለዝኾነ ድማ ተቐባልነት ዘይረኸበ ሰላማዊ ሰልፊ ንምግባር ተሓታትነት ሕጊ ዘስዕብ ምዃኑ ብምሕባር፤ 23 ጥሪ 2013 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሰላማዊ ሰልፊ ክንገብር ኢና ዝብሉ ይኹኑ እቲ ሓበሬታ እናጋውሑ ዝርከቡ ኣካላት ካብ ተግባርም ንኽዕቀቡ እቲ ኮሚሽን ኣተሓሳሲቡ፡፡

እዚ መልእኽቲ ተመሓላሊፎም ሰልፊ ንምግባር ምንቅስቓስ ዝገበሩ ኣካላት ግን ሕጋዊ ስጉምቲ ንምውሳድ ከምዝግደድ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.