Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ 670 ሺሕን 568 ትሕዝቶታት መሬት ዲጂታል ምግባር ከምዝተኽኣለ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ 670 ሺሕን 568 ትሕዝቶታት መሬት ዲጂታል ምግባር ከምዝተኽኣለ ቢሮ ምልማዕን ምምሕዳርን መሬት እታ ከተማ ገሊፁ።

ኣብቲ ዓውዲ ዝረኣዩ ግዕዙያት ኣሰራርሓታትን ስርቂን ንምክልኻል ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ስራሕቲ ሪፎርም ክስርሑ ከምዝፀንሑ እቲ ቢሮ ሓቢሩ።

ሓላፊ ቢሮ ምልማዕን ምምሕዳርን መሬት ኣዲስ ኣበባ ሲሳይ ጌታቸው፥ መረዳእታት መሬት ዲጂታል ናይ ምግባርን ኣብ ሓደ ቦኽራ ናይ ምፅዓን ስራሕቲ ከመዝተሰርሐ ተዛሪቦም።

ብመሰረት እዚ 670 ሺሕን 568 ትሕዝቶታት መሬት ሓዱሽ ኮድ ተዋሂቡዎም ዲጂታል ምግባር ከምዝተኽኣለ ተገሊፁ።

27 ኣገልግሎት ትካላት ብኦንላይን ኣገልግሎት ንምሃብ ዘኽእል ቴክኖሎጂ ብምልማዕ ድልዊ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም።

ብኣፈወርቅ እያዩን ሜሮን ሙሉጌታን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.