Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣፍሪካ ፍርያት መደንፍዒ ሓመድ ንምዕባይ 15 ቢሊየን ዶላር ከምዘድሊ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣፍሪካ ፍርያት መደንፍዒ (መዳበሪያ) ሓመድ ንምዕባይ 15 ቢሊየን ዶላር ከምዘድሊ ሕብረት ኣፍሪካ ገሊፁ።

ካብ ትማሊ ጀሚሩ እናተኻደ ኣብ ዝርከብ ጉባኤ መድንፍዒ ሓመድን ጥዕና ሓመድን ኣፍሪካ÷ ኣብ ፖሊሲ ምድንፋዕ ሓመድ፣ መፅናዕቲን ልምዓትን ብምድሃብ ሃገራት ኣፍሪካ ብሓባር ክሰርሓ ከምዝግባእ እቲ እቲ ሕብረት ኣገንዚቡ።

ኣብ ኣፍሪካ ፍርያት መደንፍዒ ሓመድ ማዳበሪያ ንምዕባይ 15 ቢሊዮን ዶላር ኢንቨስትመንት ሴክተር ውልቀ ዘፈር ከምዘድሊ ብምግላፅ÷ እዚ ድማ መደንፍዒ ሓመድ ኣብ ውሽጢ ሃገር ንምፍራይ ዘኽእል ዓቕሚ ከምዝፈጥር ኣመልኪቱ።

እዚ ንምዕዋት ሃገራት ኣኣፍሪካ ምትእስሳር ዕዳጋ ውልቀ ሴክተር ብምፍጣርን ስራሕቲ ሓገዝ ካፒታል ብምግባር ከበረታትዓ ከምዝግባእ ተሓቢሩ፡፡

ሴክተር ውልቀ ኢንቨስትመንት ሓገዝ እንተገይሩ ዓሚቕ ሃፍቲ ተፈጥሮን መዓድናትን ዘለዋ ኣፍሪካ መዳበሪያ ሓመድ ብቐሊሉ ብምፍራይ ፍርያት ሕርሻኣ ክተዕቢ ከምትኽእል ምግላፁ ኔይራ ሜትሪክስ ፀብፂቡ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.