Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ጉጅለ ባህሊ ኢትዮጵያ ፈላማይ ምድላው ሙዚቅኡ ኣብ ከተማ ከረን ኣቕሪቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ጉጅለ ባህሊ ኢትዮጵያ ፈላማይ ምድላው ሙዚቅኡ ኣብ ከተማ ከረን ትማሊ ኣቕሪቡ።

እቶም ኣባላት ባህላዊን ዘመናዊን ትሕዝቶ ዘለዎም ዝተፈላለዩ ምስንዳኣት ነበርቲ እታ ከተማ ኣብ ዘለዉሉ ኣብ ስታዲዮም ከረን ከምዘቕረቡ ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ካብ ከተማ ከረን ውፅእ ኢልካ ዝርከብ ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣሊያንስ ፓወርን ፋሺስት ጣልያንን ዝተዋግኡሉን 23 ሺሕ ወተሃደራት ዝዓረፍሉን ጡቁሉአስ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ከባቢ ዑደት ገይሮም።

ብሚኒስትር ዲኤታ ባህልን ቱሪዝምን ፌዴሪኢ ወይዘሮ ብዙነሽ መሰረት ዝምራሕ ልዕሊ 60 ኣባላት ዝሓዘ ጉጅለ ባህሊ ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ምምርሑ ይዝከር።

እቶም ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ፥ ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ፣ ሚኒስቴር ባህልን ቱሪዝምን፣ ብሄራዊ ቲያትር፣ ፍሉጣት ከየንትን ሙዚቀኛታት ጃኖ ባንድን ዝተውፃእፅኡ ዝሓወሱ ኢዮም።

እቲ ጉዕዞ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተበፅሐ ስምምዕነት ስዒቡ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ዝዓለመ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ስለዝኾነ እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ኤርትራ ንሓደ ሰሙን ዝፀንሕ እንትኸውን፥ ካብ ከተማ ከረን ብተወሳኺ ኣብ ከተማ ኣሰመራን ምፅዋዕን ምድላዋቶም ከምዘቕርቡ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.