Fana: At a Speed of Life!

ኣብ እስራኤል ሃፍቲ ቱሪዝም ኢትዮጵያን ዘፋልጥ ዓውደ ምርኢት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ እስራኤል ዝተሰናደአ ዓለም ለኸ ጉባኤን ዓውደ ምርኢት ቱሪዝምን ሃፍቲ ቱሪዝም ኢትዮጵያን ዘፋልጥ ዓውደ ምርኢት ቀሪቡ።

ኣብ እስራኤል በቢዓመቱ ዝካየድ ጉባኤን ዓውደ ምርኢትን ቱሪዝም፥ ኣብዚ ዓመት “ዓለም ለኸ ዕዳጋ ቱሪዝም ሜዲትራኒያን 2022” ብዝብል መሪሕ ቃል ኢዩ እናተኻየደ ዝርከብ፡፡

ኣብ መኽፈቲ እቲ  ጉባኤ ፕሬዚዳንት እስራኤል ሚር ኣይዛክ ሄርዞግ፣ ሚኒስትር ቱሪዝም እስራኤል፣ ካብ ዘተፈላለያ ሃገራት ዝመፅኡ ተወከልቲ መንግስቲን ኣብቲ ዓውዲ ዝተዋፈሩ ኣካላትን ሰብ ሞያን ምስታፎም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣብቲ ዓውደ ምርኢት ኤምባሲ ኢትዮጵያ ምስ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብምትሕብባር፣ ኢትዮጵያ ምድረ ቀደምት ምዃና፣ ባህላዊ ሓድጊታት ኢትዮጵያ፣ ታሪኽ ሃፍቲን ሰሓቢ ብዝሃነታን ዘንፀባርቑ መደነቕቲ ቦታታትን ዘይድህሰሱ ሓድጊታትን ብምስሊን ገለፃንተ ቀሪቡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.