Fana: At a Speed of Life!

ኣብ እስራኤል ዝነብሩ ኣባላት ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ንደግመ ህንፀትን ምጥያሽን ዝኸውን ስራሕ ጀሚሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ እስራኤልሩ ዝነብሩ ኣባላት ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ኣብ ዳግመ ህንፀትን መሊስካ ምጥያሽን ተሳትፎ ንምግባር ዘኽእል ስራሕ ምጅማሮም ነበር ኣባል ፓርላማ እስራኤል (ክኔሴት) ሽሎሞ ሞላ ገሊፆም።

ነበር ኣባል ክኔሴት ሽሎሞ ሞላ ኣብ እስራኤል ኣባላት ኮሚኒቲ ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ፣ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ወራር ኣብ ዝፈፀመሉ እዋን ዘብፀሖ ዕንወት መሊስካ ንምጥያሽ መንግስቲ ዝቐረበ ፃውዒት ብምቕባል ድጋፍ ንምግባር ምንቅስቓስ ምጅማሮም ንግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ገሊፆም።

ኣብ እስራኤል ዝርከቡ  ዳያስፖራታት ብፍላይ ኣባላት ማሕበረሰብ ንግዲ ዕንወት ኣብ ዘጋጠሞም ከባብታት መዋእለ ንዋዮም ብምፍሳስ ነቲ ኢኮኖሚ ንከነቓቕሑ ቅስቀሳ ይግበር ምህላዉ ጠቒሶም፤ በዚ ድማ ዝተረኣየ ድልየት ዘበረታትዕ ከምዝኾነ ገሊፆም።

“ኢትዮጵያ ብዘላቕነት ዕቤት ኢኮኖሚኣ ክተረጋግፅ እትኽእለሉ ናይ ማይ፣ መሬትን ካልኦት ተፈጥሮኣዊ ሃፍትታትን አለዉዋ” ዝበሉ ሽሎሞ፥ እዚ ዓቕሚ ንምጥቃም ዘኽእል ቴክኖሎጂ ኣድላዪ ከምዝኾነ ኣመላኺቶም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.