Fana: At a Speed of Life!

ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያት ድሕንነትን ፀፅታን ብምዝታይ ካብ ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ድሕንነት ዝተውሃበ መግለፂ

ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያት ድሕንነትን ፀፅታን ብምዝታይ ካብ ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ድሕንነት ዝተውሃበ መግለፂ

ዝተኸበርኩም ህዝቢታ ሃገርና፣

ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ድሕንነት፣ ቅድሚ ሓደ ወርሒ፣ 14 ሚያዝያ 2014 ዓ.ም፣ ሃገራዊ ኩነታት ፀፅታ ብዕምቆት ምግምጋሙ ይዝከር፡፡ ኣብ ግምገምኡ ድማ ኩነታት ከም ኣልሸባብ፣ ሸኔን ጁንታን ዝበሉ ግብረ ራዕዲ ሓይሊታት ተመልኪቱ ኢዩ፡፡ ምስ ኮንትሮባንድ፣ ዘይሕጋዊ ዕጡቓት፣ ፅንፈኛ ሚዲያን ጉጅለ ፖለቲከኛን፣ ኣኽረርቲ ሃይማኖተኛታትን ዝመፅ ፈተናታት ኣብ ልዕ ሃገር ዘስዕቡዎ ስግኣት ተመልኪቱ፡፡ ውዳበ መንግስቲ ፀገማት ፅሬትን ቆራፅነትን ከምዝተርኣዩ እውን ገምጊሙ ኢዩ፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ ኩነታት ሽርሒ ናይ ወፃኢ ፀላእቲን ኲናት ውክልናን ብዕምቆት መርሚሩ ኢዩ።

እቲ ቤት ምኽሪ ድሕንነት ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ብዝገበሮ ኣኼባ እዞም ፈተናታት ኣብ ልዕሊ ሃገርን ህዝቢን ዘሕድሩዎ ስግኣትን ፈተናን ብዝግባእ ተንቲኑ ኣቐሚጡ ነይሩ፡፡ ስግኣት ድሕንነትን ሃገራዊ ዘይምርድዳእን ህዝቢ ምብእኣሱ፤ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ እምነት ክስእን እናተገበረ ምዃኑ፤ ብኣኽራርነት ሃይማኖትን ብሄርን ዝተልዓለ ሓድነት ሃገር ንምሽርሻር እናተሰርሐ ምዃኑ፤ ዓቕሚ ዘይሕጋውያን ዕጡቓት እናወሰኸ ዓቕሚ ሕጋዊ ውዳበ እናተዳኸመ ምምፅኡ፤ ምብዛሕ ዘይሕጋዊ ዕጡቓትን ንኢኮኖሚያዊ ምንቅስቓስ ፈተና ምዃኑ፤ እቶም ዘይሕጋዊ ጉጅለታት ሰብኣዊን ማሕራዊን መሰላት ህዝቢ እናጠሓሱ ንህዝቢ ምስቓዮም፤ ብሓፈሻ ስርዓት ኣልቦነት ክስፋሕፋሕ ምቹው ኩነታት እናፈጠረ ምዃኑ፤ እዚ ድማ ናይ ወፃኢ ፀላእትና ዕድል ንኅፍጠረሎም፤ እቲ ጉዳይ ብህፁፅ እንተዘይተስተኻኺሉ ሃገር ናብ ዝኸፍአ ሓደጋ ከምዘእቱ ኣብ ናይ ሚያዝያ ኣኼብኡ ምግምጋሙ ይፍለጥ።

እዞም ፀገም ፈጠርቲን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘንፀላለዉን ፈተናታት ብሱቕታን ብትዕግስቲን ምርኣይ ሓደገኛ ቀይሕ መስመር ንክሕለፍ ከምዝገብር ተኣሚኑሉ ነይሩ፡፡ መንግስቲ ፀገማት ብትዕግስቲ እናሓለፈ፣ ብበዝሒ ግዘ ቀስ ብቐስ ንምእራም ዝተኸተሎ ሜላ ከም ድኽመትን ዓቕሚ ዘይብሉን ከምዝተርኣየ እቲ ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ኣረጋጊፁ ኢዩ፡፡ ህዝቢ ብዝተፈላለዩ እዋናት ብዝተገበሩ ልዝባትን ብተወከልቱ ኣቢሉ መንግስቲ ጥቡቕ ስራሕ ምኽባር ሕጊ ንኽሰርሕ እናጎስጎሰ ምዃኑ እቲ ቤት ምኽሪ ተመልኪቱ፡፡ ፀገማት ብልዝብ፣ ብበይቲ ዓዲን ኣቦታት ሃይማኖትን ኣቢሉ ንምእራም ዝተገበሩ ፃዕሪታት መጠነኛ ውፅኢት ምምፀኦም ተረዲኡ፡፡ ዝተወሰኑ ኣካላት ብሕጋዊ መስመር ንምስራሕ ምውሳኖም፤ ናብ ስሩዕ ናብራ ንምምላስ ዝተገበሩ ውሳነ ብመሓዝ ኣኼብኡ ብኅብሪ ተቐቢሉ ከምዝነበረ ይዝከር።

መንግስቲ ዝሃቦ ዕድል ሰላም ዘይተጠቐሙን ኣብ ዘይሕጋዊ ተግባራት ካብ ምውፋር ዘይተቖጠቡን ኣካላት ብዝምልከት እቲ ቤት ምኽሪ ድሕንነት ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ብዝገበሮ ኣኼባ ዝስዕቡ ኣነንፈታት ኣቐሚጡ ነይሩ፡-

  • ኣብ ልዕሊ ዝተወደቡን ብዘይፍቓድ ዝተዓጠቑን ጉጅለታት ስራሕቲ ምኽባር ሕጊ ምስራሕ ከምዝግባእ፣
  • ኣብ ኩሎም ከባቢታት ዝረአዩ ዘይሕጋዊ ተግባራት ብቕልጡፍ ምስተኻኸሉ ከምዝግበኦም ፣
  • እንደሚገባ በቢከባቢኡ ፍልፍል ቅሬታ ህዝቢ ዝኾኑ ፖለቲካዊን ምምሕዳራዊን ጉዳያት ብቅልጡፍ ምስትኽኻል፣
  • ጎንፂ ዝቕስቅሱን ፀንፈኛ ኣካላት ሚዲያት፣ ጉጅለ ፖለቲከኛታትን ኣክቲቪስታትን ሕጋዊ ስርዓት ጥራሕ ንኽኽተሉ ዝገብር ስራሕ ምስራሕ ከምዘድሊ፣
  • ውዳበ መንግስቲ ብምፅራይ፣ ግድኡ ተፈልዩ ብቆራፅነት ንኽስራሕን ህዝቢን መንግስቲን ዝሃቡዎ ሓላፍነት ንኽዋፃእ ዝገብር ተግባር ንኽስራሕን ኣንፈታት ተጠቒሞም ነይሮም።

ብመሰረት እዚ ዝተሳለጡ ተግባራት እቲ ብሄራዊ ቤት ምኸሪ ድሕንነት 1 ሰነ 2014 ዓ.ም ብዝገበሮ ኣኼባ ብዕምቆት ገምጊሙ፡፡ ብመሰረት ግምገምኡ ድማ ሓይሊ መንግስቲ ብብሕትነት ናይ ምጥቃም ሕጋ ስልጣን ዝፈታተኑ ሓይሊታትን ዘሕጋዊ ተግባራትን ናብ ግቡእ ስርዓት ናይ ምእታው ስራሕ ብዝተሃቀነሉ መገዲን ብዝሐሸ ፅትን እናተሳለጠ ምዃኑ፤ እቲ ስራሕ እውን ዝተተለመሉ ሽቶ እናዕወተ ከምዝኾነ ኣረጋጊፁ።

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብዝተሰርሐ ዘኹርዕ ስራሕ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ሸኔ ብምድምሳስ፣ ዘይሕጋዊ ምንቅስቓሳት ብምምካን፣ ኣብ ኢድ ፀላኢ ዝነበሩ ከባቢታት መሊስካ ብምቁፅፃር፣ እቲ ውዳበ ብምፅራይ፣ ምንህዝቢ ብምዝታይን ብምስላፍን ውፅኢታዊ ስራሕ ከምዝተሳለጠ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፡፡ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ኣባላት ሸኔ ከምዝተቐተሉ፣ ከምዝተማረኹን ብፍቓዶም ኢዶም ከምዝሃቡን ካብቲ ፀብፃብ ተረጋጊፁ ኢዩ፡፡ ብዙሓት ኣፅዋራትን ናውቲን ካብ ኣባላት ሸኔ ተማሪኾም ኢዮም።

ኣብ ክልልል ኣምሓራ ብዝተሰርሑ ስራሕቲ እውን ህዝቢ እፎይ ንኽል ዘኽአሉ ተግባራት ከምዝተሰርሑ እቲ ቤት ምኽሪ ድሕንት ገምጊሙ፡፡ ብመሰረት እዚ ንኣካላት ፀፅታ ዝኸድዑ ኣባላት ብመሓዝ፣ ብዝተፈላለዩ ገበናት ዝተሳተፉ ኣካላት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ብምውዓል፤ ተበቲኖም ስግኣት ፀፅታ እናኾኑ ዝነበሩ ኣፅራት ብምእካብ፣ ብዘይሕጋዊ ተግባራት ተዋፊሮም ዝነበሩ ኣክቲቪስታት ስርዓት ብምትሓዝ፣ ህዝቢ ኣካል ፀፅታን ሰላምን ንኽኸውን ኣዛቲኻ ብምስታፍ፣ ዝሐሸ ስራሕ ከምዝተሰርሐ እቲ ቤት ምኽሪ ተመልኪቱ።

ኣብ ክልል ቤኒንሻንጉል ዝተገበረ ሰላምን ፀፅታን ናይ ምዕሳል ምንቅስቓስ እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዝተገምገመሉ እዋን ዝበረታታዕ ስራሕ ከምዝተሰርሐ ተገንዚቡ፡፡ ምስዚ ተተሓሒዙ ኣብ ክልላት ደቡብን ጋምቤላን እውን ዝተዓጠቑን ዝተወደቡን ሸፋቱ መልክዕ ንምትሓዝ፣ ምንቅስቓስ ኮንትሮባንድ ምዕጋት፣ ኣብ ሞንጎ ዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት ዝፍጠሩ ጎንፂታት ምትራፍን ምፍታሕን፣ ዘይሕጋዊ ተግባራት ምቁፅፃት ውዳበ መንግስቲ ኣብ ምፅራይን ዝተተለሙ ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ኣረጋጊፁ፡፡ ኣብ ክልል ሶማሌን ክልል ኦሮሚያን ኣዋሰንቲ ከባቢታት ክግበር ተሓሲቡ ዝነበረ ምንቅስቓስ ኣልሸባብ ብምውዳድ ኣካላት ፀፅታ ከምዝፈሸለ እቲ ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ተመልኪቱ፡፡ ኣልሻባብ ምስ ጁንታን ሸኔን ብተደጋጋሚ ክገብሮም ዝፈተኖም ምትእስሳራት ብዝተፀንዐ ኦፕሬሽን ኣካላት ፀፅታ ንኽመክን ምግባሮም ኣረጋጊፁ።

ኣብ ላዕሊ ዝተፀርሑ ስራሕቲ ምኽባር ሰላምን ፀፅታን ብቖራፅነትን ብመስዋእትነትን ዝተሰርሑ ኢዮም፡፡ ኣብቲ ስራሕ ንዝተሳተፉ ኩሎም ኣካላት እቲ ቤት ምኽሪ ድሕንነት የመስግን፡፡ ውዳበ ፀፅታ ምስ ኣካላት ፀፅታ ብምውዳድ ዝፈፀሙዎ ሓድነት ሃገር፣ ሰላምን ብልፅግናን ናይ ምርግጋፅ ውፅኢታዊ ስራሕ ክኸውን ዝኸኣለ መላእ ህዝቢ ብዕላማ ኣሚኑ፣ በቲ ስራሕ ኣሚኑ፣ ኣብቲ ስራሕ ሓቢሩ ብምስላፉ ምዃኑ ይእመን፡፡ ኢትዮጵያ ህዝባ ብናፅነትን ብሰላምን ዝሰርሑላ፣ ዝንቀሳቐሱላን ዘፍርዩላን ሃገር ንኽትከውን ዘይሕጋዊ ተግባር ብዝኾነ ይኹን መልክዑ ዕድል ክረክብ ኣይግባእን፡፡ ዘይሕጋውነት – ናይ ብሄር፣ ሃይማኖት፣ ጉጅለ ፖለቲካን ወይ እውን ሚዲያን ኣክቲቪስትነትን ካባ ይደርብ እምበር፣ ዘይሕጋውነት ምዃኑ ኣይተርፍን፡፡ ።

ፍቱዋት ኢትዮጵያውያን፣

ብዛዕባ ፀፅታን ድሕንነትን እናተዛረብና ብሕጊ ካብ ዝተጣየሹ ውዳበታት ፀፅታ ወፃእ ዝተዓጠቑ ውዳበታት ፀፅታ ከምድላዮም ንኽኾኑ ምፍቃድ ግቡእ ኣይኮነን፡፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ሓይሊ ናይ ምጥቃም ዝተውሃቦ ብብሕታውነት ንመንግስቲዝተውሃበ መሰል ኢዩ፡፡ ዜጋታት ኣብ ሰላም መልማዕቲ፣ ኣብ እዋን ኲናት ተቓለስቲ ምዃኖም ካብ ጥንቲ ዝነበረ ኢዩ፡፡ እዚ ማለት ሃገር እንትትውረር ኩሉ ተቓላሲ ይኸውን፤ ሃገር ሰላም እንትትከውን ድማ ኩሉ ናብ ሕጋዊ ማዕቐፍ የኣቱ ማለት ኢዩ።

ኣብ ሃገርና ሃይማኖት ተኮር ጥፈኣታት ብዘላቕነት ክንክዩ ዝኽእሉ ሓደ ናብ ካሊእ ኣፃብዕቱ ብምጥቋም ዘይኮነስ ኩሉ መጀመርታ ኣብ ናይ ባዕሉ ትካል ዝተሓብኡ ጥፍኣት ፈፀምቲ ድፋዕ ከስእኖም እንትኽእል ኢዩ፡፡ ነዚ ድማ ምእመናንን ኣቦታት ሃይማኖትን ዝግበኦም ሓላፍነት ክዋፅኡ ይግባእ።

ብሓፈሻ ዝተጀመረ ሰላምን ፀፅታን ምዕሳል፣ ሕጊን ስርዓትን ምኅባር፣ ኢሉ እውን ምዕባለ ኢትዮጵያ ኣብ ፅኑዕ መሰረት ናይ ምህናፅ ተግባር ኣብ ሽቱኡ ንኽበፅሕ ዝተጀመረ ሕጊን ስርዓትን ናይ ምኅባር ስራሕ ተጠናኺ ክቕፅል ኢዩ፡፡ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ምስ ኣካላት ፀፅታ ብምዃን ዜግነታዊ ግቡኡ ንኽዋፃእ ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ድሕንነት ፃውዒቱ የቕርብ።

ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ድሕንነት

1 ሰኔ፣ 2014 ዓ.ም

ኣዲስ ኣበባ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.