Fana: At a Speed of Life!

ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳይ ጠሚቱ ንሰብኣዊ ትካላት ውሕመ መብርሂ ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳይ ጠሚቱ ንሰብኣዊ ትካላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት መብርሂ ተዋሂቡ።

ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዛዕባ ዘሎ ሰብኣዊ ኩነታት ንሰብኣዊ ትካላት ውሕመ ገለፃ ገይሮምሎም።

ኣብ ገለፀኦም ድማ÷ መንግስቲ ሓፈሻዊ ሰብኣዊ ኩነታት ንምምሕያሽን ምስ ትካላት ሓገዝ ብምትሕብባር ቀረብ ንምቅልጣፍን ቆራፅ ከምዝኾነ ኣረጋጊፆም፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ሓዱሽ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ከምዝተሾመን እቲ ክልል ናብ ንቡር ኩነታቱ እናተመለሰ ከምዝኾነን ኣብሪሆም።

ኣብ መብዛሕተኦም ቦታታት ተቛሪፆም ዝነበሩ መሰረታዊ ግልጋሎታት እውን ዳግም ከምዝጀመረ ገሊፆም፡፡

ኣምባሳደር ምስጋኑ ካብዚ ብተወሳኺ÷ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ቅልጡፍ ሓገዝ ኣብ ዘድልዮም ከባቢታት ዘሎ ኩነታት ብፍላይ ቀረብ ምግቢን ዝተፈላለዩ ኣድለይቲ ሓገዛትን ብቕልጡፍ ንኽከታተሉ ሓቲቶም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.