Fana: At a Speed of Life!

ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ኣድሂቡ ኣብ ኣውሮፓ ምስ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ልዝብ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ኣድሂቡ ኣብ ኣውሮፓ ምስ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ልዝብ ተኻይዱ።

መድረኽ ልዝብን ምትሕብባርን ኢትዮጵያውያን ኣብ ጀርመን ዝተብሃለ ማሕበር ኣብ ዘሰናደኦ መድረኽ ዘተ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ጀርመን፣ እንግሊዝን ጣሊያንን ዝነብሩ 93 ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ተሳተፍቲ ኮይኖም።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ሓላፊ ርክብ ህዝቢን ዓለም ለኸን ዋና ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ዶክተር ቢቂላ ሁሪሳን ምክትል መራሒ ኢዜማ ኣይተ ኣንዱ ኣለም ኣራጌን ዝተሳተፉ እንትኾኑ፥ ኣብ ዝሓለፉ ሰነስተ ዓማውቲ ኣብዛ ሃገር ብዛዕባ ዝነበረ ዓወታትን ማሕለኻታትን ጉዕዞ ለውጢ፣ ብዛዕባ ምድላው መረፃን ሓፈሻዊ ኩነታትን ከምኡ እውን ናብ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ኣብ ዝግበር ጉዕዞ ግደ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ዝምልከት ንተሳተፍቲ መብርሂ ተዋሂቡ፡፡

ኣብ ዝሓለፉ 27 ዓመታት ብኣገዛዝኣ ህወሓት ኣቢሉ ኣብታ ሃገር ዓሲሉ ዝነበረ ኣምባገነንነት ስርዓት ብምዕፃፍ ሓቀኛ ስርዓት ዴሞክራሲ ንምዕሳል ዝተወሰዱ ስጉምቲታት ሪፎርም ፖለቲካ ዓብዪ ትሰፋ ብርሃን ከምዝተርኣ ዶክተር ቢቂላ ሁሪሳ ገሊፆም፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ተፈጢሩ ዘሎ ዝሐሸ ምህዳር ፖለቲካን እዛ ሃገር ብሓቀኛ ዴሞክራሲ ንምትካል ዝተረኸበ ፅቡቕ ዕድል ኣብዚ ዓመት ዝሳለጥ ሃገራዊ መረፃ ብልዑል ሓላፍነት ክንጥቀመሉ ከምዝግባእን እዚ ድማ ገዛኢ ፓርቲ፣ ተናሓናሕቲ ፓርቲታት፣ ምሕበረሰብ ዘንቅሑ ኣካላት፣ ሙሁራት፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ መናእሰይ፣ ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ከምኡ እውን ኩሎም ሃገሮም ዝፈትዉ ሰባት ሓለፍነቶም ንኽዋፅኡ ፀዊዖም፡፡

ኣይተ ኣንዱኣለም ኣራጌ ብግደኦም፥ ኢዜማ ዝተርኣየ ምንቅስቓስ ለውጢ ከም ፅቡቕ ኣጋጣሚ ተጠቒሞም ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዝሐሸ ኣማራፂ ሒዙ ንምቕራብን ኣብቲ መረፃ ብንቕሓት ንምስታፍ ኣብቶም ዘሓለፉ ክልተ ዓመታት ጥንኩር ስራሕቲ እናሰርሐ ምፅሑ ኣብሪሆም፡፡

ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ድማ ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ኣብ ጉዳይ ሃገሮም ንቑሓት ተሳተፍቲ ክኾኑ ከምዝደልዩን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ሓበሬታ ረኺቦም ካብኦም ትፅቢት ዝግበር ኣስተዋፅኦ ንኸበርክቱ መሰል መድረኻት ኣድለይቲ ከምዝኾኑ ገሊፆም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.