Fana: At a Speed of Life!

ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ናይ ሓባር ግንዛበን ወፍሪን ንምፍጣር ምይይጥ ይግበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ናይ ሓባር ግንዛበ ንመሓዝን ሃገራዊ ወፍሪ ንምፍጣርን ዝዓለመ ምይይጥ ኣብ ሚኒስቴር ሳይንስ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ይካየድ ኣሎ።

“ናይ ህልውና ፕጀክት” ብዝብል መሪሕ ቓል ዝሳለጥ ዘሎ እቲ ዘተ ኣብ ህንፀት ግድብ ህዳሰ፣ ምልኢት ማይን ብዝተፈላለዩ ኣካላት እናተርኣየ ዝርከብ ቅዋምን ናይ ሓባር ግንዛበ ንመሓዝን ሃገራዊ ወፍሪ ንምፍጣር ዝዓለመ ምዃኑ ተሓቢሩ።

እቲ ዘተ ሚኒስትር ሳይንስ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ፕሮፌሰር ሂሩት ወልደማርያም ብመደረ ከፊተንኦ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ኣብ ውሽጢ ዓዲን ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ሙሁራት ብዝዕባ እቲ ርእሰ ጉዳይ ዘድሃበ መበገሲ ፅሑፍ እናቕረቡ ይርከቡ።

ላዕለዎት ኣመራርሓታት ዩኒቨርሲታት፣ ኣብ ዓውዲታት ምርምርን መፅናዕቲን ማይ፣ ዓለም ለኻዊ ስምምዓትን ህንፀት ግድባትን ዝሰርሑ ሙሁራትን ካልኦት ዝምልከቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራከሕ ትካላትን ተሳተፍቲ ኮይኖም።

ብሃብታሙ ተ/ስላሴ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.