Fana: At a Speed of Life!

ንመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት እኹል ቅድመ ምድላው ተገይሩ – ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ንመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት እኹል ቅድመ ምድላው ከምዝተገበረ ሚኒስትር ሕርሻ ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር) ገሊፆም።

ምድላው ቅድመ ምድላው ሓምለዋይ ኣሰርን ቀፀልቲ ኣንፈታት ስራሕን 2016 ዓ.ም ምስ ዓብዪ ብሄራዊ ኮሚቴ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር መድረኽ ምኽክር ተኻይዱ።

መተሓባበሪ እቲ ኮሚቴን ሚኒስትር ሕርሻን ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር) ከምዝሓበሩዎ÷ ዕላማ እቲ መድረኽ ምዕራፍ ቅድመ ምድላው ተኸላ ፈልሲ 2016 ዓ.ም ምግምጋም ኢዩ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ቀፀልቲ ኣንፈታት ስራሕ ሓበራዊ ምርድዳእ ንምግባር ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ኣብ 2015 ዓ.ም ዝተኻየደ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር፤ 7 ነጥቢ 5 ቢሊየን ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ዘለዎም ፈልሲታት ከምዝተተኸሉን ብዝተገበረ ዳህሳስ መፅናዕቲ ዝተተኸሉ ፈልሲታት 90 ሚኢታዊ መጠን ምፅዳቕ ከምዝበፅሑም ገሊፆም፡፡

ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት 6 ነጥቢ 5 ቢሊየን ፈልሲታት ንምትካል ትልሚ ከምዝተትሓዘ ብምሕባር፤ ነዚ ድማ 7 ነጥቢ 2 ቢሊየን ፈልሲ ከምዝተሰናደአ ምግላፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.