Fana: At a Speed of Life!

ኣብ እዋን በዓል ጥምቀት ሓደጋ ኤሌክትሪክ ከየጋጥም ጥንቃቐ ንኽግበር ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኣተሓሳሲቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ምስ ምኽባር በዓል ጥምቀት ተተሓሒዙ ሓደጋ ኤሌክትሪክ ከየጋጥም ጥንቃቐ ምግባር ከምዝግባእ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ኣገልግሎት፥ ምስ ምኽባር እቲ በዓል ተተሓሒዙ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዘምዕርጉ ተኸተልቲ እቲ እምነት ሓደጋታት ኤሌክትሪክ ከየጋጥሙ ልዑል ጥንቃቐ ክገብሩ ከምዝግባእ ገሊፁ፡፡

በዓል ጥምቀት ኣብ ኣደባባያት ብድምቀት ዝኽበርን ብዙሓት ኣመንቲን በፃሕቲን ዝሳተፉሉ ከምዝኾነ ዝገለፀ እቲ ኣገልግሎት፥ ነዚ እንትበሃል ብፍላይ ኣብ ከተማታት ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ምምዕራግ ከምዝካየዱ ኣመልኪቱ።

ስራሕቲ ፅባቐ ካብ ሞንጎ ዝግበረሎም እታወታት ዓምዲታት ኤሌክትሪክ ከምዝርከቡዎም እውን ተሓቢሩ፡፡

በቢዓመቱ ምስ ምንኅኻእ ኤሌክትሪ ብዝፍጠር ሓደጋ ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ከምዝበፅሕ ተገሊፁ፡፡

ኣብ ምኽባር እቲ በዓል ባሎታት ኤሌክትሪክ ብምጥቃም ዝግበሩ ስራሕቲ ፅባቐ ንሓደጋ ኤሌክትሪክ ከቃልዑ ስለዝኽእሉ ልዑል ጥንቃቐ ክግበር ከምዝግባእ እቲ ትካል ኣተሓሳሲቡ፡፡

ኣሽከከርከርቲ እውን ጥቡቕ ጥንቃቐ ክገብሩ ከምዝግባእ ኣመልኪቱ፡፡

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ዓማዊል ብናፃ ናይ ማእኸል ፃውዒት 905 ብምጥቃም ሓበሬታ ምሃብ ከምዝከኣል ካብቲ ኣገልግሎት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.