Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኦክስፎርድ ዝፈረየ ክታበት ኣስትራዘኔካ ኣብ ብሪታንያ ኣብ ተግባር ንክውዕል ዘኽእል ፈቓድ ረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 21 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኦክስፎርድ ዝማዕበለ ኣስትራዘኔካ ዝተሰመየ ክታበት ቫይረስኮሮና ኣብ ብሪታንያ ካብ ዕለተ ሰኑይ ጀሚሩ ኣብ ተግባር ንክውዕል ፍቓድ ከምዝረኸበ ተገሊፁ።

ብሪታንያ ካብዚ ክታበት 100 ሚልየን ብልቃጥ ኣቐዲማ ኣዚዛ ኣላ፤ እዚ ኸኣ ን50 ሚልየን ሰባት እኹል እዩ ተባሂሉ።

ጎን ጎኒ እቲ ብፋይዘር ባዩኤንቴክ ዝውሃብ ዘሎ እዚ ናይ ኣስትራ ዘኔካ ተወሲኽዎ ምሉእ ህዝቢ ዓባይ ብሪታንያ ከኽትብ ዝኽእል ምዃኑ ሰክሬታሪ ጥዕና ብሪታንያ ማት ሃንኩክ ኣፍሊጡ።

ማት ሃንኩክ ነዚ ርኽበት ኣዝዩ ወሳኒ ኩነት ብምባል’ዩ ገሊፅዎ።

ሕዚ ብርእሰ ተኣማንነት ንኹሉ ህዝብና ዘኽትብ ዓቕምን ትሕዝቶን ኣለና ክንብል ንኽእል ኢና አወን ኢሉ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.