Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ 10 ሺሕ ትካላት ብኽለት ኣመልኪቱ ቁፅፅር ክግበር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ኣብ ዝርከቡ 10 ሺሕ ኣፍረይቲን ግልጋሎት ወሃብቲን መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ትካላት ብኽለት ኣመልኪቱ ጥብቂ ቁፅፅር ክግበር ኢዩ።

ቁፅፅር ዘዝግረሎም መንግስታዋን ዘይመንግስታን ትካላት÷ ሆስፒታላት፣ ሆቴላት፣ ኣቢያተ ትምህርቲ ሓዊሱ ካልኦት ኣፍረይቲን ግልጋሎት ወሃብቲን ትካላት መንግስቲ ይርከቡዎም።

ዋና መካየዲ ስራሕ በዓል መዚ ሓለዋ ከባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ዳዲ ድሪባ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝሓበሩዎ÷ ርእሰ ከተማ ኣፍሪካ ዝኾነት ከተማ ካብ ብኽለት ምክልኻል ይግባእ።

ብመሳርሒታት ላብራቶሪ ብምሕጋዝ ካብ ትካላት ዝወፅኡ ብኽለታት ኣመልኪቱ በቢብርኩ ቁፅፅርን ክትትልን ከምዝግበር ብምግላፅ፤ እቲ በዓል መዚ ብኣዋጅ ዝተውሃቦ ስልጣን መሰረት ብምግባር ስጉምቲ ከምዝውሰድ ኣገንዚቦም።

ብታሪክ ኣዱኛ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.