Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከባቢ ወልዲያ ንዝርከቡ ተመዛበልቲ ሓገዝ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከባቢ ወልዲያ ንዝርከቡ ተመዛበልቲ 30 ነጥቢ 7 ሚሊየን ብር ዘውፅእ ሓገዝ ተገይሩ።

እቲ ሓገዝ ክዳውንቲን ካልኦት ናውቲን ዘካተተ እንትኸውን፥ ብኮሚሽን ጉምሩኽ ዝተገበረ ሓገዝ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

እቲ ሓገዝ ዝተበርከተ ሚኒስትር እቶት ኣይተ ላቀ ኣያሌው፣ ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ወይዘሮ ዳግማዊት ሞገስ፣ ኮሚሽነር ኮሚሽን ጉምሩኽ ኣይተ ደበሌ ቃበታን ሚኒስትር ዲኤታ ገንዘብ ዶክተር ኢዮብ ተካልኝን ኣብ ዝተረኸቡሉ ኢዩ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ርኽክብ ኣቦታትን መራሕቲን ሃይማኖት ከምኡ እውን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽ ተረኺቦም።

ብተመሳሳሊ ዜና ኣብ ኣህጉረ ስብከት ዞባታት ሰሜንን ደቡብን ወሎ ከምኡ እውን ኣብ ምምሕዳር ብሄረሰብ ኦሮሞ ሊቀ ጳጳስን ኣባል ቅዱስ ሲኖዶስን ዝኾኑ ብፁእ ኣቡነ ኤርሚያስ ላንዱክሩዘር መኪና ተበርኪቱሎም።

ብለይኩን ኣለም

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.