Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማና ኣብ ዝርከቡ ማእኸላት ልዕሊ 35 ሺሕ ወገናትና ግልጋሎት ይረኽቡ ኣለዉ – ከንቲባ ኣዳነች

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከቡ ማእኸላት ልዕሊ 35 ሺሕ ወገናትና ግልጋሎት እናረኸቡ ከምዝኾኑ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) መበል 20 ማእኸል ምገባ ተስፋ ብርሃን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ መሪቖም ግልጋሎት ኣጀሚሮም፡፡

ነዚ ስዒቡ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን÷ እቲ ማእኸል ምገባ ኣብ ክፍለ ከተማ ጉለሌ ብልምዲ ቀጨኔ መድሃኒያለም ኣብ ዝበሃል ከባቢ ከምዝተሃነፀ ገሊፀን።

እቲ ማእኸል ልዕሊ 500 ንዝኾኑ ዓቕመ ደካማታት ነበርቲ እቲ ከባቢ ብሓደ ግዘ ዝተመጣጠነ ምግቢ ዘቕርብ ምዃኑ ኣብሪሀን፡፡

ከንቲባ ኣዳነች፥ ብሓፈሻ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከቡ 20 ማእኸላት ምገባ ልዕሊ 35 ሺሕ ወገናት ግልጋሎት እናረኸቡ ከምዝኾኑ ኣምፍሊጠን፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.