Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ መቐለ ልዕሊ 65 ኪሎ ሜትሮ ፅሬቱ ዝሓለወ መገዲ ኣስፋልት ይህነፅ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 01 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ መቐለ ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ መሰረተ ልምዓታት ብእዋኑ ተዛዚሞም ኣገልግሎት ንኽህቡ ካብ ግብሪ ዝኽፈል ገንዘብ ብኣግባቡ ክእከብ ከምዝግባእ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ፀዊዑ።

ኣብ ምእካብ ግብሪ ዘድሃበ መድረኽ ዘተ ኣብ ከተማ መቐለ ትማሊ ተሳሊጡ።

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ኢንጂነር ኣርኣያ ግርማይ፥ ኣብታ ከተማ ኣብዚ ዓመት 65 ነጥቢ 5 ኪሎ ሜትሮ ፅሬቱ ዝሓለወ መገዲ ኣስፋልት ይህነፅ ምህላዉ ተዛሪቦም።

እቲ መሰረተ ልምዓት ብልዕሊ ብር 4 ነጥቢ 5 ቢሊየን ናይ ልቓሕ በጀት ይስርሑ ከምዘሎ ድማ ገሊፆም።

ብተወሳኺ ኣብታ ከተማ ክሳብ ሕዚ መሰረተ ልምዓታት ማይን መብራህቲን ዘይተማልአለን ጣቢያታት ንምምላእን ኣብ 14 ከባቢታት ዘለዋ መምሀሪ ክፍሊታት ዳስ ናብ ህንፃ ንምቕያርን ዘኽእል ስራሕ እናተሰርሐ ምዃኑ ኣብሪሆም።

እቶም ዝስርሑ ዘለዉ መገዲታትን ካልኦት መሰረተ ልምዓታትን ብእዋኖም ተዛዚሞም ንሕብረተሰብ ግልጋሎት ንኽህቡ፥ ማሕበረሰብ ንግዲ ብኣግባቡን ብእዋኑን ግብሪ ክኽፍል ከምዝግባእ እቶም ምክትል ከንቲባ ኣተሓሳሲቦም።

ተሳተፍቲ እቲ ዘተ ብግደኦም፥ ኣብታ ከተማ ዝህነፁ ዘለዉ መሰረተ ልምዓታት ዝነኣዱ ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ግብሪ ብኣግባቡ ብምኽፋል ዝተጀመሩ ፕሮጀክትታት ልምዓት ብእዋኑ ተዛዚሞም ውቅብቲ ከተማ ንምርኣይ ኣብ ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓስ እጃሞም ከምዘውፍዩ እውን ኣፍሊጦም።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ፥ ከተማ መቐለ ሓምለወይቲን ውቅብቲን ኣብ ምግባር እወንታዊ ምንቅስቓስ ንዝፍፅሙ ዘለዉ ትካላትን ውልቀ ሰባትን ሽልማትን ኣፍልጦን ተበርኪቱሎም።

ፍልፍል፦ Tigray Mass Media Agency

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.