Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ መቐለ ኣሽከርከርቲ ብምኽኒያት ሕፅረት ነዳዲ ንምንቅስቓስ ከምዝተፀገሙ ተዛሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ከተማ መቐለ ኣሽከርከርቲ ብምኽኒያት ሕፅረት ነዳዲ ንምንቅስቓስ ከምዝተፀገሙ ተዛሪቦም።

ጊዚያዊ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ብግድኡ፥ ነዳዲ ዝፀዓና ቦቲታት ካብ ጅቡቲ ይመፅኣ ስለ ዘለዋ እቲ ዘጋጠመ ፀገም ክፍታሕ ኢዩ ኢሉ።

ሰብ ዋና ከተማ ታክሲ፣ ባጃጃትን ሞተር ሳይክላትን ብምኽኒያት እቲ ሕፅረት ነዳዲ ካብ ዝሰርሕሉ ዘይሰርሕሉ እዋን ከምዝበዝሕ ኢዮም ገሊፆም።

ኣብ መዐደሊ ነዳዲ ንሓደ ሊትሮ ቤኒዚን መሸጢ ዋግኡ 21 ብር እንትኸውን፥ ኣብ ፀሊም ዕዳጋ ግን 100 ብር ይሽየጥ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር፥ እቶም ኣመልከትቲን መላእ ሕብረተሰብን ኣብ ጎድኒ እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ብምዃን ነቶም ዘይሕጋዊ ነጋዶታት ከጋልፁን ስርዓት ንምሓዝ ንዝግበር ፃዕሪ ክድግፉን ይግባእ ኢሉ።

ጁንታ ህወሓት ንኲናት ምድላው ኣብ ዝገብረሉ ዝነበረ እዋን ልዑል መጠን ቁፅሪ ዘለዎም ነዳዲ ዝሕዙ ታንከራት ቀቢሩ ከምዝነበረ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ምግላፁ ይዝከር።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.