Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ ሰበታ ከባቢ መስጊድ ተፀሚዱ ዝነበረ ፈንጂ ሕብረተሰብ ብመሰረት ዝሃቦ ሓበሬታ ከሺፉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 ህዳር ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ሰበታ ቀበሌ 04፣ ከባቢ መስጊድ ተፀሚዱ ዝነበረ ፈንጂ ሕብረተሰብ ብመሰረት ዝሃቦ ሓበሬታ ከሺፉ።

እቲ ፈንጂ ኣብ ከባቢ መሓመድ ረጃ ተፀሚዱ ዝተረኸበ ከምዝኾነ ምምሕዳር ከተማ ሰበታ ኣፍሊጡ።

እቲ ፈንጂ ኣብ ልዕሊ እቲ መስጊድን ምእመናንን ጉድኣት ንምብፃሕ ተተሊሙ ዝተፈፀመ ከምዝኾነ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፀፅታን ምምሕዳርን እታ ከተማ ኣይተ ብርሃኑ ተሬሳ ገሊፆም።

ይኹን እንበር ሕብረተሰብ ብመሰረት ዝሃቦ ሓበሬታ ምንም ዓይነት ጉድኣት ከየብፅሐ ከምዝኸሸፈ ተዛሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.