Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ ሸገር ብዘይሕጋዊ መገዲ እናተንቀሳቐሰ ዝነበረ 510 ኩንታል ቡን ተታሒዙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ሸገር ክፍለ ከተማ ፉሪ ብክልተ ተሸከርከርቲ ብዘይሕጋዊ መገዲ እናተንቀሳቐሰ ዝነበረ 510 ኩንታል ቡን ከምዝተትሓዘ ተገሊፁ።

ኣዛዚ መምርሒ ፖሊስ ከተማ ሸገር ክፍለ ከተማ ፉሪ ኮማንደር ፉፋ መገርሳ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝሓበሩዎ÷ ብናይ ሕሶት ሰነድ ብክልተ ናይ ፅዕነት ተሽከርከርቲ ዝተፀዓነ 510 ኩንታል ቡን እናተንቀሳቐሰ እናሃለወ ኣብ ከባቢ ፉሪ ተታሒዙ፡፡

መበገሲ እቲ ቡን ዞባ ቡኖ በደሌ ወረዳ ጨሮ ከምዝሖነ እውን ተዛሪቦም፡፡

ምስቲ ዝተትሓዘ ቡን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓሉ ኣሽከርከርቲ ናይ ምፅራይ ምርመራ ስራሕ እናተኻየደ ከምዝርከብ እውን ተዛሪቦም።

ብታሪክ አዱኛ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.