Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ መቐለ ቀፃሊ ዕለተ ሰኑይ ስሩዕ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ከምዝጅመር ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣28 ግንቦት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ከተማ መቐለ ካብ 30 ጉንበት 2013 ዓ/ም ጀሚሩ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ከምዝጅመር ተገሊፁ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብሰንኪ ዓለም ለኻዊ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ሎሚ ዓመት ድማ ኣብ ትግራይ ብምኽኒያት ዝተፈጠረ ፖሎቲካውን ፀጥታውን ዘይምርግጋዕ ተምሃሮ ትግራይ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ርሒቖም ኣብ ከቢድ ስነልቦናውን ማሕበራውን ቅልውላው ከምዝርከቡ ይፍለጥ።

ነዚ መሰረት ብምግባር ዘለዉ ፀገማት በቢግዝኡ ብምፍታሕ ኣብ ሸውዓቲኤን ክፍለ ከተማታት መቐለ ካብ 30 ግንቦት ጀሚሩ ከይዲ ምምሃር ምሰትምሃር ከምዝጅመር ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ኣፍሊጡ።

ነዚ ተግባራዊ ንምግባር ቀዳምን ሰንበትን ናይ ምልዕዓል ስራሕቲ ከም ዝካየድን ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላት ድማ ብዕቱብ ክሰርሑ ይግባእ ዝበለ እቲ ቢሮ፥ እዚ ኣብዘይገብሩ ግና ሕጋዊ ስጉምቲ ንምውሳድ ከምዝግደድ ገሊፁ ክብል ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.