Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ ኣክሱም ተፈፂሙ ዝተብሃለ ተግባር ገበን ንምምርማር ምስ ላዕለዋይ ዓቃቤ ሕጊ ፌዴራልን ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራልን ዝተውፃእፀአ ጉጅለ ናብ ክልል ትግራይ ተላኢኾም- ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ከተማ ኣክሱም ብዝምልከት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዘውፀኦ ሪፖርት ኣመልኪቱ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ መግለፂ ኣውፂኡ። እቲ ትካል ንፍልፍል መረዳእታ ዝተጠቐመሉ ኣብ ምብራቕ ሱዳን መዕቖቢ ስደተኛታት ዝርከቡ ሰባት ከምኡውን ዝተወሰኑ ነበርቲ ኣክሱም ብስልኪ ቃለ መሕትት ብምግባሩ ዝተማልአ ምስሊ ንምሓዝ ከምዘየኽእል ተሓቢሩ። ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዘብፀሖ መጥቃዕቲ ስዒቡ ኣብ ትግራይ ጥሕሰት ሕጊን ስርዓት ኣልበኝነትን ተፈጢሩ ኢዩ ተባሂሉ። እቲ ኣብቲ ክልል ዘጋጠመ ውስብስብ ፀገማት ህወሓት ናይ ዝፈፀሞ ቀጥታ ተግባር ክሕደት ውፅኢት ኢዩ አሉ። ስለ ዝኾነ ኣብቲ ክልል ዘጋጠመ ጥሕሰት ሕጊ ብዝምልከት ካብ ህወሓት ወፃእ ሓላፍነት ዝወስድ የለን ኢሉ። መንግስቲ ኣብ ትግራይ ዝወሰዶ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ኣብ ልዕሊ ስቪል ትካላት ጉድኣት ንከይበፅሕ ልዑል ጥናቃቐ ከምዝተገበረ እውን ተዛሪቡ ኣብቲ መግለፂ። ” ኣብ ማይካድራ ምስ ዝተፈፀመ ጭፍጨፋ ተመሳሳሊ ብዝኾነ መገዲ ኣብ ኣክሱም ተፈፂሙ ዝተብሃለ ገበን ብዕምቆት ክምርመር ይግባእ” ዝበለ እቲ መግለፂ፥ እቲ ምርመራ ንምክያድ ምስ ላዕለዋይ ዓቃቤ ሕጊ ፌዴራልን ኮሚሽን ፖሊስ ፌድራልን ዝተውፃእፀአ ጉጅለ ንብ ክልል ትግራይ ከምዝኸደ ኣፍሊጡ። ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ትግራይ ብምጉብናይን ሰብ መዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምዝርራብን እቲ ሓቂ ብምግላፅ ኣድላዪ ስራሕ ክሰርሕ ይግባእ እውን ኢሉ እቲ መግለፂ። እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/ ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ! ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ። ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ከተማ ኣክሱም ብዝምልከት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዘውፀኦ ሪፖርት ኣመልኪቱ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ መግለፂ ኣውፂኡ።

እቲ ትካል ንፍልፍል መረዳእታ ዝተጠቐመሉ ኣብ ምብራቕ ሱዳን መዕቖቢ ስደተኛታት ዝርከቡ ሰባት ከምኡውን ዝተወሰኑ ነበርቲ ኣክሱም ብስልኪ ቃለ መሕትት ብምግባሩ ዝተማልአ ምስሊ ንምሓዝ ከምዘየኽእል ተሓቢሩ።

ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዘብፀሖ መጥቃዕቲ ስዒቡ ኣብ ትግራይ ጥሕሰት ሕጊን ስርዓት ኣልበኝነትን ተፈጢሩ ኢዩ ተባሂሉ።

እቲ ኣብቲ ክልል ዘጋጠመ ውስብስብ ፀገማት ህወሓት ናይ ዝፈፀሞ ቀጥታ ተግባር ክሕደት ውፅኢት ኢዩ አሉ።

ስለ ዝኾነ ኣብቲ ክልል ዘጋጠመ ጥሕሰት ሕጊ ብዝምልከት ካብ ህወሓት ወፃእ ሓላፍነት ዝወስድ የለን ኢሉ።

መንግስቲ ኣብ ትግራይ ዝወሰዶ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ኣብ ልዕሊ ስቪል ትካላት ጉድኣት ንከይበፅሕ ልዑል ጥናቃቐ ከምዝተገበረ እውን ተዛሪቡ ኣብቲ መግለፂ።

” ኣብ ማይካድራ ምስ ዝተፈፀመ ጭፍጨፋ ተመሳሳሊ ብዝኾነ መገዲ ኣብ ኣክሱም ተፈፂሙ ዝተብሃለ ገበን ብዕምቆት ክምርመር ይግባእ” ዝበለ እቲ መግለፂ፥ እቲ ምርመራ ንምክያድ ምስ ላዕለዋይ ዓቃቤ ሕጊ ፌዴራልን ኮሚሽን ፖሊስ ፌድራልን ዝተውፃእፀአ ጉጅለ ንብ ክልል ትግራይ ከምዝኸደ ኣፍሊጡ።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ትግራይ ብምጉብናይን ሰብ መዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምዝርራብን እቲ ሓቂ ብምግላፅ ኣድላዪ ስራሕ ክሰርሕ ይግባእ እውን ኢሉ እቲ መግለፂ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ
ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.