Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምኽንያታዊ ዘይኮነ ወሰኽ ዋጋ ዝገብሩ ነጋዶ ዝውሰድ ስጉምቲ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ – ቢሮ ንግዲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ለካቲት፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ቢሮ ንግዲ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምኽንያታዊ ዘይኮነ ወሰኽ ዋጋ ኣብ ልዕሊ ዝገብሩ ነጋዶ ዝውሰድ ስጉምቲ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣፍሊጡ።

ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣይተ ዓብደልፈታህ የሱፍ እዚ ዝበሉ፥ እናተረኣየ ዝመፅአ ናህሪ ዕዳጋ ንምቁፅፃር እናተሳለጡ ዝርከቡ ተግባራት ኣብ ዝተገምገመሉ እዋን ኢዩ፡፡

ቀረብን ድሌትን ንምጥዕዓምን ዋጋ ንምርግጋእን ዘኽእሉ ተግባራት እናተሰርሐ ከምዝኾነ እውን እቶም ሓላፊ ቢሮ ኣብሪሆም፡፡

ብፍላይ ኣብ ተበፃሕነት ፍርያታት መሰረታዊ ጠለባት ንምርግጋፅ ጥቡቕ ቁፅፅር እናተገበረ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ስለዝኾነ ድማ ልዕሊ 2 ነጥቢ 8 ሚሊየን ሊትሮ ፓልም ፈሳሲ ዘይቲ ከምኡ እውን 106 ኩንታል ሽኮር ብዘይሕጋዊ መልክዑ ተኸዚኑ ስለዝተረኸበ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ንኽውዕል ተገይሩ ብሕብረት ስራሕ ማሕበራት ኣቢሉ ንኽከፋፈል እናተገበ ይርከብ ተባሂሉ፡፡

ክሳብ ሕዚ ብዝተገበረ ቁፅፅርን ክትትልን ኣብ ልዕሊ 60 ሺሕ ትካላት ንግዲ ክትትልን ቁፅፅርን በሪ ንበሪ ከምዝተኻየደ ገሊፆም፡፡

ነዚ ስዒቡ ድማ ኣብ ልዕሊ 2 ሺሕን 859 ትካላት ንግዲ ሕጋዊን ምምሕዳራዊን ስጉምቲ ከምዝተወሰደሎም ምግላፆም ካብቲ ቢሮ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.