Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ 4 ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ ወጋሕታ ኣብ ክ/ከተማ ቦሌ ወረዳ 11 ወረገኑ እናተብሃለ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ ዝወቕዐ ዝናብ ስዒቡ ብዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ ኣርባዕተ ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ።

እቲ ምምሕዳር ከተማ ማስተር ፕላኖም ዘይተኸተሉ ህንፀታት ወሰን ሩባ ሕብረተሰብ ንሓደጋ ውሕጅ ከምዘቃልዑ ብመፅናዕቲ ብምፍላይ እዚ ስግኣት ሓደጋ ተቓላዕነትን ብመሰረታዊነት ዝፈትሕ ፕላን ዝሓለወ ዘላቒ ናይ መፍትሒ ስራሕቲ እናሳለጠ ከምዝርከብ ይፍለጥ።

ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ÷ በቲ ዘጋጠመ ሃንደበታዊ ሓደጋ ህይወቶም ንዝሰኣኑ ወገናት ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን ገሊፁ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.