Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወርሒ ረመዳን ምኽንያት ብምግባር ንልዕሊ 27 ሺሕ ነበርቲ መርሃ ግብሪ ምክፋል መኣዲ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወርሒ ረመዳን ምኽንያት ብምግባር ንልዕሊ 27 ሺሕ ነበርቲ መርሃ ግብሪ ምክፋል መኣዲ ከምዝተጀመረ ከንቲባ እቲ ምምሕዳር ከተማ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።

እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን ኣበ ዘመሓላለፈኦ መልእኽቲ÷ “ብለውጢ መንግስቲ ብዝጀመርናዮ ሰብ ተኮር ስራሕና ናይ ህዝብና ናብራ ፅዕንቶ ንምቕላል ብተግባር ንምርግጋፅ ብዙሓት ስራሕቲ ብምስራሕ፣ መኣዲ ጥራሕ ዘይኮነስ ንወገናትና ኽብሪን ፍቕሪን እናካፈልና ፀኒሕና” ኢለን።

ሊሚ መዓልቲ ድማ ንኩለነ መስጊዳት ኣዲስ ኣበባ ዝከፋፈል ተምሪን ኣብ ትሑት ብርኪ ናብራ ንዝርከቡ ወገናት ድማ መኣዲ ከምዝተኻለ ኣብ መልእኽተን ገሊፀን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.