Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ 200 ሺሕ ሊትሮ መሐለዊ ፅሬት ሳኒታይዘር ይከፋፈል ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝፈረየ መሐለዊ ፅሬት ሳኒታይዘር ኣብኣዲስ ኣበባ ናብ ዝርከባ ፋርማሲታት ከነማ እናተኸፋፈለ ምዃኑ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተወ ቫይረስ ኮሮና ዝርገሕኡ ንምዕጋት እቲ ከተማ ምምሕዳር ዝተፈላለዩ ቅድመ ምድላው ስጉምቲታት እናወሰደ ይርከብ።

ብመሰረት እዚ ድማ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝፈረየ 200 ሺሕ ሊትሮ መሐለዊ ፅሬት ሳኒታይዘር ኣብታ ከተማ ናብ ዝርከባ ፋርማሲታት ከነማ ምክፍፋል ምጅማሩ ገሊፁ ኣሎ።

እቲ መሐለዊ ፅሬት ሳኒታይዘር፥ ንሕብረተሰብ ብተመጣጣኒ ዋጋ ዝቐርብ ምዃኑ ካብ ቤት ፅሕፈት ከንቲቫ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ስለ ዝኾነ ሕብረተሰብ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ በቢኸባቢኡ ናበ ዝርከቡ ፋርማሲታት ከነማ ብምኻድ እቶም መሐለዊ ፅሬት ሳንታይዘራት ክረክብ ከምዝኽእል ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.