Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ ኣዳማ ህንፃ ፈሪሱ ብዘጋጠመ ሓደጋ ህይወት ኣርባዕተ ሰባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኣዳማ ህንፃ ፈሪሱ ብዘጋጠመ ሓደጋ ህይወት ኣርባዕተ ሰባት ምሕላፉ ፖሊስ ኣፍሊጡ።

በዓል ሞያ ርክብ ህዝቢ መምርሒ ፖሊስ ምምሕዳር ከተማ ኣዳማ ኢንስፔክተር ወርቅነሽ ገልሜቻ ንግዜኢ ከምዝገለፁዎ፥ እቲ ሓደጋ ኣብታ ከተማ ክፍለ ከተማ ደምበላ ጣቢያ ኢሬቻ ህንፃ ብምፍራሱ ዘጋጠመ ኢዩ።

ኣብ ጣቢያ ጥቓ ፍሉይ ሽሙ ቤት ትምህርቲ ኮሎኔል ደጀኔ ስሜ ዝርከብ ሆቴል ሃዊ ብምፍራሱ ሓደጋ ከምዘጋጠመ ተዛሪቦም።

እቲ ሆቴል ብሓዱሽ ህንፃ ንምትካእ ነቲ ኣረጊት እናፍረሱ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ መዓልታዊ ሰራሕተኛታት ብዘጋጠመ ሓደጋ ኣርባዕተ ሰባት ህይወቶም ከምዝሓለፈ እውን ኣፍሊጦም።

ክልተ ሰባት ድማ ከቢድ ጉድኣት ኣካል በፂሑዎም ኣብ ሆስፒታል ሪፈራል ኣዳማ ሓገዝ ሕክምና እናተገበረሎም ከምዝኾነ ተገሊፁ።

መበገሲ እቲ ሓደጋ ምንኣስ ጥንቃቐ ከምዝኾነ እውን ኢንስፔክተር ወርቅነሽ ገልሜቻ ገሊፆም።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.