Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ ዓዲግራት ብ651 ሚሊየን ብር ፕሮጀክታት ልምዓት ይህነፁ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ዓዲግራት ካብ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ ብ651 ሚሊየን ብር ህንፀት ፕሮጀክታት ልምዓት እናተኻየደ ምዃኑ ምምሕዳር እታ ከተማ ገሊፁ።

እቲ ህንፀፅ ምምሕዳር ከተማ ዓዲግራት ብዝሰለዖ 351 ሚሊየንን ባንኪ ዓለም ብዝገበሮ 300 ሚሊየን ብር ሓገዝን ዝሽፈን ኢዩ፡፡

ህንፀቶም እናተሳለጡ ካብ ሞንጎ ዝከቡ ፕሮጀክታት ስራሕቲ ምንፃፍ ኣስፓልቲ ክልተ ኪሎ ሜትሮ፣ 8 ነጥቢ 8 ኪሎ ሜትሮ ዝሽፍን ስራሕቲ ምልባስ ኮብልስቶንን ፀፀርን መገዲ ውሽጢ ውሽጢ ይርከቡዎም፡፡

ሓደጋ ውሕጅ ንምክልኻል ዘኽእል ናይ ሸውዓተ ኪሎ ሜትሮ መፋሰሲን 270 ሜሮ ንውሓት ዘለዎ ናይ እግረኛታትን ተሽከርከርቲን መሰጋገሪ ድልድል ህንፀት ከምዝተመጀመረ እውን ተገሊፁ፡፡

መተሓባበሪ እቶም ፕሮጀክታት ተኽላይ ግርማይ ከምዝበሉዎ÷ እቶም ፕሮጀክታት ልምዓት ን650 መናእሰየ ዕድል ስራሕ ፈጢሮም፡፡

እቶም ፕሮጀክታት ልምዓት ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ሰነ 2016 ዓ.ም ሙሉእ ብሙሉእ ንግልጋሎት ክፍቲ ከምዝኾኑ እውን ኣብሪሆም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.