Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኩሎም ዓውዲታት ሰራዊት ናይ ምህናፅ ከይዲ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ – ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኩሎም ዓውዲታት ዓውዲታት ሰራዊት ናይ ምህናፅ ከይዲ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ላዕለዋይ ኢታማዡር ሹም ሓይሊታት ጦር ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ገሊፆም።

ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ንህንፀት ኮምፕሬሄንሲቭ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ቤላ እምነ ኩርናዕ ኣብ ዘቐመጡሉ እዋን ከምዝገለፁዎ÷ ሰራዊት ምክልኻል ብውዳበ፣ ፍልጠትን ቴክኖሎጂ ናይ ምህናፅ ስራሕ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ።

እቲ ሰራዊት ኣብ ኩሎም ዓውዲታት ብቁዕ ኮይኑ ንኽርከብ ከምዝስራሕ እውን ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ገሊፆም፡፡

ንዕቤት ሰራዊት ምክልኻል ዝምጥን ስራሕቲ ህንፀት መሰረተ ልምዓት እናተሳለጡ ከምዝኾኑ ብምሕባር፤ “ሎሚ መዓልቲ ከይዲ ህንፀቱ ዝተጀመረ ሆስፒታል ናይዚ መርአዪ ኢዩ” ኢሎም።

ብቕዓትን ፅሬትን ዘለዎ ግልጋሎት ጥዕና መሰረት ህንፀት ዘበናዊ ሰራዊት ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ፊልድ ማርሻል÷ ምስፍሕፋሕ መሰረተ ልምዓት ህንፀት እቲ ሰራዊት ኣብ ምቅልጣፍ ግድኡ ዕዙዝ ከምዝኾነ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.