Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ካምፕ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር መጥቃዕቲ ምፍፃም ብዝኾነ ይኹን ሃገር ተቐባልነት ኣይብሉን- ዶክተር ጌዲዮን ጢሞቴዎስ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ህዳር፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ጉጅለ ህወሓት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እዛ ሃገር ንዘጋጠሙ ጥፍኣታትን ከበድቲ ገበናትን ተሓታቲ ከምዝኾነ ላዕለዋይ ዓቃቤ ሕጊ ፌዴሪኢ ዶክተር ጌዲዮን ጢሞቴዎስ ገሊፆም።

ዶክተር ጌዲዮን ጢሞቴዎስ ምስ ሃርድ ቶክ ቢቢሲ ኣብ እዋናዊ ዛዕባ ትኹረት ብምግባር ፃንሒት ገይሮም።

እቲ ጉጅለ ኣብ ካምፕ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝፈፀሞ ገበን ሉእላውነት ምድፋርን ብዝኾነ ይኹን ሃገር ተቐባልነት ዘይብሉን ተግባር ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም።

መንግስቲ ብምኽኒያት እዚ ናብ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ከምዝኣተዉ ተዛሪቦም።

እቶም ላዕለዋይ ዓቃቤ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ዝተጀመረ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻዕል ሃገር እዚ ሰሜን ብመሰረት ዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ኢዩ ኢሎም።

እቲ መጥቃዕቲ ቀይሕ መስመር ልኡላዊት ሃገር ዝተመሓላለፈ ተግባር ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።

መንግስቲ ፌዴራል ኣብ ኩለን ክልላት እዛ ሃገር ሕጊ ናይ ምኽባርን ሀልውና ሃገር ናይ ምሕላውን ስልጣንን ሓላፍነትን ከምዘለዎ ኣረዲኦም።

ኣብ ከል ምኽባር ሕጊ ንፁሃን ዜጋታት ንከይጉድኡ ጥንቃቐ ይግበር ከምዘሎ አውን ተዛሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.