Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ካሳጊታ ብኸቢድ መሳርሒ ኵናት ተወቂዖም ዝነበሩ  ፓሎታት ኤሌክትሪክ  ናይ መሊስካ ምትካል ስራሕቲ  ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ካሳጊታ ብኸቢድ መሳርሒ ኵናት ዝወደቑ ፓሎታት ኤሌክትሪክ ናይ  ምትካል ስራሕቲ ከምዝተዛዘመ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡

ብጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝዓነው መሰረተ ልምዓት ኤሌክትሪክ ብምፅጋን መሊሶም ኣብ ስራሕቲ ንምውዓል ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓስ ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ሓላፊ ድጋፍ ቴክኒክ ፅገና መስመር መመሓላለፊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ገሊፆም

እቶም ሓላፊ ኣይተ ተስፋዬ መንግስቱ ከምዝገለፅዎ÷ እቶም ዘጋጠሙ ጉድኣታት ብምፍላይን ቀልጢፍካ ብምስራሕን ግልጋሎት ንኽህቡ ብምግባር ኣብ ትካል ትሽዓቲኦም ሪጅናት ዘለዉ በዓል ሙያታት ብሓድነት እናሰርሑ ከምዝኾነ ገሊፆም።

እቲ ጉጅለ ፅገና ዝተወሃቦ ስራሕ ንምቅልጣፍ ብሰለስተ  መስመራትን ኣንጎሎታትን ኣብ ጋሸና፤ ኣብ ኮምቦልቻን ኣብ ሚሌን  ብምምቃል እናሰርሐ ከምዝርከብ እቶም ሓላፊ ሓቢሮም፡፡

ኣብ  መስመር ኮምቦልቻ ፅገና እናገበረ ዝርከብ ጉጅለ ብዝሰርሖም መሊስካ ናይ ምፅጋን ስራሕቲ ካብ ሸዋሮቢት ክሳብ ደሴ ዝርከቡ ከተማታት ከምኡ እውን ኣብ ኣቀስታ መስመር ዝርከቡ ከተማታት ግልጋሎት ኤሌክትሪክ ክረኽቡ ምግባር ከምዝተኸኣለ ወሲኾም ሓቢሮም።

ኣብ ሚሌ ዝርከቡ ስራሕቲ ጽገናታት ዘተሓባብሩ ዳይሬክተር ጽገና  ኦፕሬሽንን ትራንስሚሽንን ሪጅን ምብራቕ ኣይተ ጋሻው እንድሪያስ ብግደኦም÷ ካብ ካሳጊታ ክሳብ ኤሊውሃ ንውሓቱ 20 ኪሎ ሜትር ዘሎ መስመር ዓብዪ ጉድኣት ከምዝበጽሖን ኢሉ እውን መብዛሕትኡ ከም ሓድሽ ስራሕቲ ምዝርጋሕ እናተሰርሑ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ኣብ ካሳጊታ ብኸቢድ መሳርሒ ኵናት ተወቒዖም ዝወደቑ ሰለስተ ኤሌክትሪክ ፓሎታት ናይ ምፅጋን ስራሕቲ ከምዝተዛዘሙ ወሲኾም ገሊፆም።

ካብ ኮምቦልቻ ናብ ሰመራ ዝኸይድ ዓብዪ ሓይሊ ዘለዎ መስመር በዓል 230 ኪሎ ቮልትስርሖም ኣብ ሓፂር እዋን ንምዝዛም ኣብ ኣርባዕተ ጉጅለታት ተወዲቦም ብሓድነት እናሰርሑ ከምዝርከቡ ገሊፆም።

እቲ ጉጅለ ዝተወሃቦ ግደ ንምዝዛምን ኣብ ከተማ ዓፋር ዝርከቡን ግልጋሎት ምውሃብ ዘቋረፁን ግልጋሎት ንምጅማር እናተሰርሐ ከምዝኾነ ካብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.