Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክሊ ግድብ ህዳሰ ብምትኳር ብብርኪ ሚኒስትራት ኣብ ዋሸንግተን እናተሳለጠ ዝቐነየ ድርድር ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ. ቢ. ሲ)ኣብ ክሊ ግድብ ህዳሰ ብምትኳር ብብርኪ ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ኣብ ዋሸንግተን እናተሳለጠ ዝቐነየ ድርድር ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፂን ተዛዚሙ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ተጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልቲ ክዛዘም ዝግበኦ ዝነበረ ድርድር፥ ክሳብ ትማሊ ዓርቢ እናቐፀለ ፀኒሑ ኢዩ።

እቶም ሚኒስትራት ድርድሮም ምስ ዛዘሙ ናይ ሓባር መግለፂ ብምውፃእ ከምዝኾነ ኢዩ ሚኒስትር ማይ መስኖን ኢነርጂን ዶክተር ኢንጂነር ስለሺ በቀለ ትማሊ ኣማሲዮም ዝገለፁ።

ኣብ ዋሸንግተን ዝተገበረ ድርድር ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸውሓዊሱ ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢን ሱዳንን ግብፂን፣ ሚኒስትራት ማይ፣ ሰብ ሞያታት ሕጊን ዓውዲ ማይን ሰለስቲአን ሃገራት ተሳቲፎም ኢዮም።

ሓላፊ ግምጃ ቤት ኣሜሪካን ተወከልቲ ባንኪ ዓለምን እውን ብተዓዛቢነት ተረኺቦም።

ኣብቲ ድርድር ኣብ ኣመላልኣን ኣሳድዳን ማይ እቲ ግድብ ዝምልከቱ ዛዕባታት ትኹረት ዝተገበረ እንትኸውን፥ ኣብ እዋን ድርቂ (Drought)፣ ብዓመታት ኣብ ዝተናውሓ ድርቂ (prolonged drought)፣ ከምኡ እውን ኣብ ዝተናውሐ ዓመታት ትሑት ፍሰት ውሕጅ (prolonged periods of dry years) ዝግበር ስርዓት ኣመላልኣን ኣሳድዳን ማይ መሰረታዊ ምርድዳእ ከምዝተገበረ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ።

ስምምዕነት ዘይተገበረሎም ዘቀቐረዩ ጉዳያት ኣብ ዝቕፅል ዘተ መፍትሒ ዝረኸቡ እንትኾኑ፥ ዝርዝር ረቂቕ ሰነድ ኣመላልኣን ኣሳድዳን ማይ ከምዝዳሎን እውን እቲ ሚኒስቴር ገሊፁ።

ኣብ ኣመላልኣን ኣሳድዳን ማይ ግድብ ህዳሰ ዝግበር ድርድር፥ ኣብቲ ግድብ ጥራሕ ዝተደረኸ ምዃኑ፣ ከምኡ እውን መሰል ምጥቃም ሩባ ኣባይ ሙሉእ ብሙሉእ ዝሓለወ ድርድር ምግባር ዘይልወጥ ቅዋም መንግስቲ ኢትዮጵያ ምዃኑ ተገሊፁ።

መንግስቲ ኣብ ጉዳይ እቲ ድርድር ዘድሃበ ሓበሬታ ንህዝቢ ከምዘፍልጥ እውን ተሓቢሩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.