Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክሌማዊ ለውጢን ሓምለዋይ ኣሰርን ዘድሃበ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)“ፅዕንቶ ክሌማዊ ለውጢን ብሓምለዋይ ኣሰር ምምካት” ብዝል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ክሌማዊ ለውጢን ሓምለዋይ ኣሰርን ዘድሃበ ፓነል ዘተ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ መድረኽ ዘተ÷ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያን ኢኒስቲትዩት ትራንስፎርሜሽን ሕርሻ ኢትዮጵያን ዘሰናድኡዎ ኢዩ፡፡

ካብ ዓለም ለኸ ተሞክሮ ብምብጋስ ክሌማዊ ለውጢ እናስዐቦ ኣብ ዝርከብ ፅዕንቶ መፍትሒ ሓሳባት ኣብቲ ዘተ ከምዝለዓሉ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ተሞክሮ ሓምለዋይ ልምዓት ኢትዮጵያ፣ ክሌማዊ ለውጢ ንዞባዊ ሰላምን ድሕንነትን ከምኡ እውን ኣብ ጉዳይ ክሌማዊ ለውጢ ካብ መዳርግቲ ኣካላት ብተወሳኺ ግደ ማሕበረሰብን መራኸብቲ ሓፋሽን ዝምልከቱ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ከምዝቐርቡ እውን ተሓቢሩ፡፡

ሚኒስትር ሰላም ብናልፍ ኣንዷለም፣ ኣባል ቦርድ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያን ሚኒስትር ዴኤታ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ሁሪያ ዓሊ፣ ዋና ዳይሬክተር ኢኒስቲትዩት ትራንስፎርሜሽን ሕርሻ ኢትዮጵያ ማንደፍሮ ንጉሴ (ዶ/ር)፣ ኣብቲ ዓውዲ ዝተዋፈሩ ትካላትን ሙሁራንን፣ ተወከልቲ ዓለም ለኸን ኣጉርል ለኸ ትካላትን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ኣብቲ ዘተ ተረኺቦም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.