Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ሃረሪ 6ይ ሃገራዊ መረፃ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ሃረሪ 6ይ ሃገራዊ መረፃ ይካየድ ኣሎ።

መራፂ ህዝቢ ኣብ ጣቢያታት መረጻ ተረኺቡ ድምፂ እናሃበ ይርከብ።

መረፅቲ ኣብ ዝሃቡዎ ርኢቶ፥ ብዘይ ዝኾነ ይኹ ፅዕንቶ ብናፅነት ድምፆም ንዝደልዩዎ ኣካል ከምዝሃቡ ገሊፆም።

ሪፖርተር ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ተዘዋዊሩ ትዕዝብቲ ኣብ ዝገበረሎም ጣቢያታት መረጻ ዝተፈላለዩ ሲቪል ማሕበራት ተዓዘብቲ ከይዲ እቲ መረፃ እናተዓዘቡ ተመልኪቱ።

ኣብ ክልል ሃረሪ ኣብ ክልተ ክልላት መረፃ ኣብ ዝተጣየሻ 229 ጣቢያታት መረፃ እናተኻየደ እንትኸውን፥ 7 ተናሓናሕቲ ፓርቲታት እናተወዳደሩ ይርከቡ።

ብተሾመ ሃይሉ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.