Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ሲዳማ 81 ዘይሕጋዊ ምቑፃርን ደረጃ ዕቤትን ሰራሕተኛታት መንግስቲ ተሰሪዙ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ሲዳማ 81 ዘይሕጋዊ ምቑፃርን 12 ዘይሕጋዊ ደረጃ ዕቤትን ሰራሕተኛታት መንግስቲ ክስረዝ ከምዝተገበረ ኮሚሽን ስነ-ምግባርን ፀረ ግዕዝይናን እቲ ክልል ገሊፁ።

እቲ ኮሚሽን ንብረት ህዝቢን መንግስቲን ዝኾነ ብር 7 ነጥቢ 8 ሚሊየን ካብ ምዝራፍ ከምዘድሐነ እውን ኣፍሊጡ።

ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ኣይተ ስጦታው መንጫኖ ንግዜኢ ከምዝገለፁዎ፥ ናብቲ ኮሚሽን ካብ ሞንጎ ዝቐረቡ 56 ህፁፅ ሕቶታት ፈተነ እቶም 54 ተቐቢሉ ምላሽ ሂቡ ኢዩ።

ስለዝኾነ ድማ 81 ዘይሕጋዊ ምቑፃር ሰባትን 12 ዘይሕጋዊ ደረጃ ዕቤትን ሰራሕተኛታት መንግስቲ ንኽስረዝ ተገይሩ ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ክልተ ቦታ ደሞዝ እናበልዑ ዝነበሩን ካልኦት ሰራሕተኛታት መንግስቲን ብሕጊ ንኽሕተቱ ሰነድ ብምውዳብ ንዝምልከቶ ኣካል ከምዝተመሓላለፈ ኣብሪሆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.