Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ሶማሌ ብሰንኪ ድርቂ ዝተመዛበሉ ዜጋታት መሊስካ እግሪ ንምትካል ፃዕርታት ይግበሩ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ሶማሌ ብሰንኪ ድርቂ ዝተመዛበሉ ዜጋታት መሊስካ እግሪ ንምትካል ፃዕርታት ይግበሩ ኣለዉ ከብሉ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ሙስጤፌ መሓመድ ገሊፆም።

እቶም ረእሰ ምምሕዳር ብአምባሳደር ጀርመን ኣብ ኢትዮጵያ እስቴቨን ኣውርን ተወካሊ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት መነግስታት ኣብ ኢትዮጵያ ዶክተር ማማዱ ዲያን ምስ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ተዛቲዮም።

ኣብ እዋን እቲ ዘተ ኣብቲ ክልል ብሰንኪ ዘጋጠመ ድርቂ ኣብ ለዕሊ ህዝቢ ዘጋጠም ዘጋጥም ዘሎን ጉድኣት ተላዚቦም።

ምስ ዝተፈላለዩ ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት ብምትሕብባር ነቲ ሀዝቢ ዘድሊ ደገፍ ምግባር ብዛዕባ ዝከኣለሉ ጉዳያት ዘተ ከመዝተገበረ እውን ተሓቢሩ።

ኣይተ ሙስጤፌ መሓመድ፥ ኣብ ክልል ሶማሌ ብሰንኪ ድርቂ ዝተመዛበሉ ዜጋታት መሊስካ እግሪ ንምትካል ፃዕርታት ይግበሩ ኣለዉ ምባሎም ካብ መራኸብቲ ሓፋኝ እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.