Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ሶማሌ ዞባ ኣፍዴር ሾሊኹ ዝኣተወ ግብረ ራዕዲ ዕጡቕ ጉጅለ ኣልሸባብ ሙሉእ ንሙሉእ ከምዝተደምሰሰ መንግስቲ እቲ ክልል ገልፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቅድሚ ኣርባዕተ መዓልታት ኣቶ ብዝበሃል ቦታ ናብ ክልል ሶማሌ ዞባ ኣፍዴር ሾሊኹ ዝኣተወ ግብረ ራዕዲ ዕጡቕ ጉጅለ ኣልሸባብ ሙሉእ ንሙሉእ ከምዝተደምሰሰ መንግስቲ እቲ ክልል ገልፁ።

እቲ ግብረ ራዕዲ ”ሁልሁል” ኣብ ዝበሃል ቀበሌ ምስተኸበበ ከምዝተደምሰሰ ቤት ምኽሪ ፀፅታ እቲ ክልል ገሊፁ።

እቲ ጉጅለ ብኤልከሬ ወረዳ ሓሊፉ ናብ ክልል ኦሮሚያ ብምእታው ምስ ግብረ ራዕዲ ሸኔ ንምርኻብ ዓሊሙ ከምዝነበረ ተሓቢሩ።

13 ተሽከርከርቲ ኣልሸባብ ክምዝተቓፀላን ሒዙዎ ዝኣተወ ዕጥቅን ስንቅን ከምዝተማረከን ተገሊፁ።

ንሰለስተ መዓልታት ብዝተገበረ ኦፕሬሽን ልዕሊ 100 ኣባላት ኣሸባሪው ተቐቲሎም ተባሂሉ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.