Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ናይ “ነጩ ፖስታ ጎርፍ ወደ ነጩ ቤተ መንግሥት” ምንቅስቓስ ፊርማ ብዕሊ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መስከረም ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ኣሻድሊ ሀሰን “ነጩ ፖስታ ጎርፍ ወደ ነጩ ቤተ መንግሥት” በዝብል መሪሕ ቃል ዝተጀመረ ሃገራዊ ወፍሪ ምንቅስቓስ ፊርማ ኣብቲ ክልል ብዕሊ ኣጀሚሮም።

ኣይተ ኣሻድሊ ሀሰን ነቲ ወፍሪ ብዕሊ ኣብ ዘጀመርሉ እዋን፥ ናይ ኢትዮጵያ ሓቂ ንመላእ ዓለም ብፍላይ ንምዕራባውያን ነምፍላጥን ንምርዳእን ዕላማ ዝገበረ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ስለዝኾነ ኣብቲ ክልል ኣብ ዝካየድ ወፍሪ ክሳብ 100 ሺሕ መናእሰይ ዝሳተፍሉን ሉእላውነት ሃገር ንምሕላው ናይ ዝግበር ሓደ ኣካልን ተገይሩ ዝውሰድ ወሳኒ ተግባር ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

እቲ ወፍሪ ብዓለም ለኸ ሚዲያ ብዝማዕበሉ ሃገራት ዝተፈጠረ ምድንጋር እነፅርየሉን ንሃገርና ዘለና ቅዋም እነረጋግፀሉን ኢዩ ኢሎም።

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ዝሓለፉ 27 ዓማውቲ ዝገበሮ ኣሻጥር ኢኮኖሚ ከይኣክል ገንዘቡ ተጠቒሙ ሚዲያታት ወፃኢ ብምግዛእ ዝተዛብዐ መረዳእታ ንምዕራባውያን እንተተሓላልፍ ዝነበረ ዝምክት ወፍሪ ከምዝኾነ እወን ሓቢሮም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.