Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ትግራይ ህፁፅ ርዳእታ ንዘድሊዮም ወገናት ዝግበር ሓገዝ ተጠናኺሩ ይቕፅል ኣሎ – ዶ/ር ሙሉ ነጋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ታሕሳስ፣ 2013(ኤፍ.ቢ.ሲ ) ኣብ ክልል ትግራይ ህፁፅ ርዳእታ ንዘድሊዮም ወገናት ዝግበር ሓገዝ ተጠናኺሩ ይቕፅል ከምዘሎ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ዶክተር ሙሉ ነጋ ገሊፆም።

ኣወዳድባ ካቢኔ ክልል ትግራይ እውን ብምኽንያት ፖለቲካዊ ኣመለኻኽትኡ ዝድፋእ ጉጅለ ወይ ድማ ውልቀሰብ ከምዘይህሉ ከምዝተረጋገፀ ኣብሪሆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ፥ መንግስቲ ፌዴራል ንግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣድላዪ ዘበለ ሓገዝ ከምዝገብር ምግላፆም ይዝከር።

ዶክተር ሙሉ ነጋ ከምዝበሉዎ ድማ እቲ  ግዚያዊ ምምሕዳር ኣብቲ ክልል ብዙሓት ውፅኢታዊ ስራሕቲ እናሰርሐ ይርከብ።

ስርሑ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፥ ዝተዓጠቑ ውልቀ ሰባት ዕጥቆም ክፈትሑ ምግባር፣ ዝተቛረፁ ህዝባዊ ግልጋሎታት ክጅምሩ ምግባርን ካቢኔ እቲ ክልል ኣጣይሸካ ናብ ስራሕ ምእታውን ትኹረት ገይሩ ከምዝሰርሐ እውን ገሊፆም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዙሓት ነበርቲ እቲ ክልል ብፍቓዶም ዕጥቆም ንኣካላት ፀፅታ እናረከቡ ይርከቡ ዝበሉ እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ፥ ሃዲሞም ዝነበሩ ሚኒሻታት እውን ዕጥቆም ኣረኪቦም ብሰላም ናብ ከባቢኦም እናተመለሱ ከምዝርከቡ ኣብሪሆም።

ብገበን ዘይድለዩ ሰራሕተኛታት መንግስቲ እውን ናብ መኣዲ ስረሖም ከምዝተመለሱን ካቢኔ እቲ ክልል ድማ ኣብቲ ክልል ዝንቀሳቐሱ ፓርቲታት ፖለቲካ ብዝሓቖፈ መልክዑ ዝተጣየሸ ኢዩ ኢሎም።

እቲ አአወዳድባ ካቢኔ ድሕሪ ሕዚ ኣብ ክልል ትግራይ ብምኽንያት ፖለቲካዊ ኣመለኻኽትኡ ዝኾነ ይኹን ጉጅለ ይኹን ውልቀ ሰብ ክድፋእ ከምዘይብሉ ዘረጋገፀ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኣገልግሎት መንግስቲን ፓርቲ ፖለቲካን ዝተፈላለዩ ምዃኖም ብተግባር ዘርአየ ከምዝኾነ እውን ዶክተር ሙሉ ተዛሪቦም።

መንግስቲ ፌዴራል ብዝገበሮ ልዑል ርብርብ ካብ ደቡብ ትግራይ ጀሚሩ ክሳብ ዓዲግራት ከባቢ ዝዓነዉ መስመራት ብምስትኽኻል ግልጋሎት መብራሕቲ ንኽጅምሩ ከምዝተገበረ ገሊፆም።

ኣብ ቀፃሊ እውን ኣብ ኩለን ከባቢታት ኣገልግሎት ንምጅማር ልዑል ፃዕሪ እናተገበረ ምዃኑ ኣገንዚቦም።

ምስ ነበርቲ እቲ ክልል ኣብ ዝገበረ ልዝብ ድማ ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ስምምዕነት ምብፀሖም ኣብሪሆም።

ኣብቲ ክልል ስርዓት ዓፈና ተስፋሕፊሑ ምስ ምፅንሑ ተተሓሒዙ፥ እቶም መድረኻት ዘተ ሓዱሽ ኣየር ናፅነት ዘለማመዱ ከምዝነበሩ ገሊፆም።

ክልል ትግራይ መሊስካ ኣብ ምጥያሽ መንግስቲ ፌዴራል ልዑል ሓገዝ እናገበረ ከምዝኾነ ዶክተር ሙሉ ገሊፆም።

ብመንፅር እዚ ድማ ኣብዚ ሕዚ እዋን ህፁፅ ርዳእታ ንዝደልዩ ወገናት እናተገበረ ዝርከብ ሓገዝ ብፅቡቕ ኩነታት ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ተዛሪቦም።

እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ሰብኣዊ ሓገዛት ኣብ ኩሎም ከባቢታት ተበፃሕቲ ንኽኾኑ ናይ ምጉዕዓዝ ስራሕቲ እናሰርሐ ከምዝኾነ ምግላፆም ግዜኢ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.