Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ትግራይ ሕፅረት መድሓኒትን መገልገሊ መሳርሒታት ሕክምናን ንምንካይ ዝምልከቶም ኣካላት ሓገዝ ክገብሩ ከምዝግባእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ጥሪ ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ዝተደንገገ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኣፈፃፅሙኡ ዝምርምር ቦርድ ኣብ ካልኣይ ዙር ትዕዝብቲ መስክ ዝተረኸቡ ውፅታት ኣመልኪቱ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ተዛቲዩ።

እቲ መርማሪ ቦርድ ዝገበሮ ዘተ ። ምስ ሚኒስቴር ጥዕና ከምኡ እውን ምስ ቀዋሚ ኮሚቴ መናእሰይ፣ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን እንትኸውን፥ ኣብ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ትካላት ጥዕና እናገበሩዎ ኣብ ዝርከቡ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድሃበ ዘተ ተሳሊጡ፡፡

እቲ መርማሪ ቦርድ ኣብ ካልኣይ ዙር ትዕዝብቱ ኣብ ሆስፒታላት ሽረ እንዳስላሰ፣ መቐለ፣ ዓዲግራት፣ ኣላማጣ፣ ቆቦ፣ ወልዲያ፣ መርሳን ደሴን ዑደት ምግባሩ ተሓቢሩ።

ኣብ ትዕዝብቶም ድማ እቶም ሆስፒታላት ንኣባላት ሰራዊት ምክልኻልን ምሩኻትን ግቡእ ግልጋሎት ሕክምና እናተገበረሎም ከምዝርከብ ኣባላት እቲ ቦርድ ገሊፆም።

ስለዝኾነ ድማ ኣብተን ሆስፒታላት ኣገልግሎት እናሃቡ ዝነበሩ ኣመራርሓታት፣ ሰራሕተኛታትን ሰብ ሞያታት ሕክምናን ከምኡ እውን ማሕበረሰብ እቲ ኸባቢ ንዝገበሩዎ ሰብኣዊ ሓገዝ ምስጋና ከምዝግበኦም ኣገንዚቦም።

ብኻሊእ መዳይ ሓደሓደ ሆስፒታላት ሕፅረት መድሓኒትን መገልገሊ መሳርሒታት ሕክምናን እናጋጠመ ምዃኑ ዝገለፀ እቲ ቦርድ፥ ሚኒስቴር ጥዕና ሓዊሱ እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ኣካላት ሓገዝ ንኽገብሩ ኣተሓሳሲቡ።

ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ፥ ሕፅረት መድሓኒት ንምፍታሕ እቲ ፀገም ዝተርኣየሎም ሆስፒታላት እናበፅሖም ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ኣብቲ ፀብፃብ ዝተፀርሑ ሕፅረታት ብምፍታሽ መስተኻኸሊ ከምዝግበር እውን ኣገንዚበን።

ኣካቢት ቀዋሚ ኮሚቴ መናእሰይ፣ ደቂኣንስትዮን ህፃናትን ወይዘሮ ኣበባ ዮሴፍ ብግደአን፥ እቲ መርማሪ ቦርድ ኣብተን ሆስፒታላት ዘለዉ ጭቡጥ ኩነታት ፅቡቕ ምዃኑ ገሊፀን።

ሚኒስቴር ጥዕና ዝተርኣዩ ክፍተታት ንምምላእ ብቕልጡፍ ዝኸዶ ርሕቐት ዝምስገን ከምዝኾነ ምግላፀን ካብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣካቢ እቲ ቦርድ ኣይተ ለማ ተሰማ፥ ሚኒስቴር ጥዕና እናገበሮ ዝርከብ ሕፅረት ብምምስጋን ዝግበር ክትትል ተጠናኺሩ ንኽቕፅልን ኣብ ቀፃሊ ክማልኡ ዝግበኦም ጉዳያት ንኽማልኡን ሓቲቶም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.