Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ትግራይ ምዕዳል ዛንዜራን ነፀጋ ኬሚካልን እናተኻየደ ምዃኑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ሕማም ዓሶ ንምክልኻል ኣብ 46 ወረዳታት ምዕዳል ዛንዜራን ነፀጋ ኬሚካልን እናተኻየደ ምዃኑ ቢሮ ጥዕና ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

በዓል ሞያ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ሕማም ዓሶ እቲ ቢሮ ኣይተ ገብረመድህን ክንፉ ከምዝገለፁዎ÷ እቲ ስራሕቲ ምክልኻል ሕማም ዓሶ እናተወገነ ዝርከብ ካብ ወርሒ ሓምለ 2015 ዓ.ም ጀሚሩ ኢዩ።

ክሳብ ሕዚ ብዝተወገነ ስራሕ ድማ 1 ነጥቢ 3 ሚሊየን ዛንዜራ መከላኸሊ ጣንጡ ንሕብረተሰብ ከምዝተዓደለ ገሊፆም።

ሕብረተሰብ ብልዑል ወፃኢ ዝግዛእ ዛንዜራ ብግቡእ ብምጥቃም ጥዕንኡ ንኽሕሉ ኣድላዪ ስራሕቲ ክትትልን ምሃብ ግንዛበን ከምዝተሰርሐ እውን ኣብሪሆም።

ካብ ምዕዳል ዛንዜራ ብተወሳኺ ካብ 218 ሺሕ ኣብ ዝበልፁ ኣባይቲ ነፀጋ ኬሚካል ከምዝተኻየደ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.