Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ትግራይ ንልዕሊ 4 ነጥቢ 2 ሚሊየን ዝኾኑ ዜጋታት ምግቢን ምግቢ ተንከፍን ሰብኣዊ ሓገዛት ቀሪቡ – ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ንልዕሊ 4 ነጥቢ 2 ሚሊየን ዝኾኑ ዜጋታት ምግቢን ምግቢ ተንከፍን ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝቐረበ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ።

ኣቐባሊ ቃል እቲ ሚኒስቴር ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ኣድሂቦም ሳምንታዊ መግለፂ ሂቦም።

ኣብ ውሽጢ ተግባራት እዚ ሰሙን፥ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣምባሳደራት ምዝታዮም፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ዝርከቡ ኣምባሳደራት ዝዝተፋላለያ ሃገራት ኣብ ክልል ትግራይ ብኣካል ተረኺቦም ዘሎ ኩነታት ምዕዛቦምን ሓገዝ ሰንምግባር ኣወንታዊ መልሲ ምሃቦም ገሊፆም።

ኣብቲ ክልል ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝን ተተሓሓዝቲ ጉዳያትን ኣብ ውሽጢ ሃገር ካብ ዘለዉ ዲፕሎማሰኛታት ኤምባሲ ብተወሳኺ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ኣምባሳደራትን ዝምልከቶም ሃገራትን ሓበሬታ ናይ መሃብ ዲፕሎማሲ ከምዝተሰርሑ ተዛሪቦም።

ኣብ ክልል ትግራይ መሊስካ ህንፀት እናተኻየደ ምዃኑ፣ ኣብቲ ክልል 4 ነጥቢ 2 ሚሊየን ዜጋታት ምግቢን ምግቢ ተንከፍን ሓገዝ ከምዝበፅሐ፣ ኣብ ቀፃሊ ምዕራፍ እውን ሓገዝ ዝደልዩ ዜጋታት ናይ ምፍላይ ዳህሳስ እናተገበረ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣብ ዜጋታት ዘተኮረ ዲፕሎማሲ ኣመልኪቶም ኣብ ዘሃቡዎ መብርሂ ድማ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት እናተመለሱ ምዃኖም፣ ኣብ የመን ኤደን ካብ ሞንጎ ዝርከቡ ዜጋታት ልዕሊ 150 ዝኾኑ ሎሚ መዓልቲ ከምዝምለሱ ኣምባሳደር ዲና ገሊፆም።

ኣብ የመን ሰንኣ ብዝጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ህይወቶም ካብ ዝሓለፉ 43 ዜጋታት ኢትጵያውያን ከምዝርከቡዎም እውን ኣብሪሆም።

ኣብዚ ሰሙን፥ ካብ ስዑድ ዓረብ ከተማ ጂዳ 888 ዜጋታት ከምዝተመለሱ ኣምባሳደር ዲና ተዛሪቦም።

ኣብ ሃገራት ኣሜሪካን ኣውሮፓን ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ንብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ወጊኖም ዘካየዱዎ ሰልፊ ድጋፍ፥ ክበረታታዕ ዝግበኦ ክስተት እዚ ሰሙን ከምዝነበረ ብምግላፅ ምስጋና እቕሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.