Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ እዋን ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ጉድኣት ንዝበፅሖም ዜጋታት ሓገዝ ንምግባር ኣባ ገዳታትን ሃዳ ሲንቄዎችን ናብ መቐለ ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ እዋን ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ጉድኣት ንዝበፅሖም ዜጋታት ሓገዝ ንምግባር ኣባ ገዳታትን ሃዳ ሲንቄዎችን ናብ መቐለ ኣቲዮም።

እቶም ኣባ ገዳታትን ሃዳ ሲንቄታትን ኣብ መቐለ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ እንትበፅሑ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ጊዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ዶክተር ሙሉ ነጋ ሓዊሱ ካልኦት ኣመራርሓታትን መራሕቲ ሃይማኖትን ኣቀባብላ ገይሮምሎም።

እቲ ልኡኽ ካብ ኩለን ዞባታት ክልል ኦሮሚያ ህዝቢ ብናይ ባዕሉ ድሌት ንሓው ህዝቢ ትግራይ ዘተኣኻኸቦ ሓገዝ ከረክብ ኢዩ።

ነበርቲ ከተማ መቐለ እውን ነቶም ልኡኻት ድሙቕ ኣቀባብላ ገይሮምሎም።

ብኣፈወርቅ ኣለሙ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.